Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ። ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ።
Translation | Contextብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል አሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን። ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ።
Translation | Contextኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን። ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ። መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን። ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዚገበረኩም፧ ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን። ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን። ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም። ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡ ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይአመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ።
Translation | Contextነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፡ ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።
Translation | Contextሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ።
Translation | Context