Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ አለዎ። ንምውላድ ጊዜ አለዎ፡ ንሙማት ከአ ጊዜ አለዎ። ንምትካል ጊዜ አለዎ፡ ነቲ እተተኽለ ምምንቋስ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕታል ጊዜ አለዎ፡ ንምሕዋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምፍራስ ጊዜ አለዎ፡ ንምህናጽ ድማ ጊዜ አለዎ። ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ኣእማን ጊዜ አለዎ፡ ንምእካብ ኣእማን ከአ ጊዜ አለዎ። ንምሕቋፍ ጊዜ አለዎ፡ ካብ ምሕቋፍ ምፍልላይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድላይ ጊዜ አለዎ፡ ንምጥፋእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምእርናብ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕዳድ ጊዜ አለዎ፡ ንምስፋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ስቕ ምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ።
Translation | Contextኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።
Translation | Contextእቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextኣምላኽ ዝገበሮ ዅሉ ንሓዋሩ ኸም ዚነብር እፈልጥ አሎኹ። ኪውሰኾ ኣይከአልን፡ ኪንከዮ ኣይከአልን፡ ኣምላኽ ከአ፡ ሰብ ምእንቲ ኺፈርህዎ፡ ከምዚ ገበሮ።
Translation | Contextኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።
Translation | Contextኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚግበር ዘበለ ዅሉ ብጥበብ ክምርምርን ከስተብህልን ልበይ ኣቕናዕኩ። እዝስ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ኪሳቕዩሉ ዝሀቦም ሓማቕ ጻዕሪ እዩ።
Translation | Contextዎ ጐይታይ፡ እንተ ተማጐትኩኻ እኳ፡ ንስኻስ ጻድቕ ኢኻ፡ ምስናይ እዚውን ብዛዕባ ፍርዲ ኽዛረበካ እደሊ አሎኹ፡ ስለምንታይ እዩ መገዲ ረሲኣን ዚሰልጥ፧ ስለምንታይከ ዂሎም ጠለምትስ ዕድል ዚዀነሎም፧ ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፡ ዐበዩ ፍረውን ፈረዩ። ንስኻ ኣብ ኣፎም ቀረባ ኢኻ፡ ካብ ኰላሊቶም ግና ርሑቕ ኢኻ። ንስኻ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ትፈልጠኒ፡ ትርእየኒ፡ ልበይ ከኣ ንኣኻ ኸመይ ምዃኑ ትምርምር ኢኻ። ከም ኣባጊዕ ንማሕረዲ ጓትቶም፡ ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፍለዮም። እታ ሃገር ክሳዕ መኣዝ ክትሐዝን፧ ክሳዕ መኣዝከ ሳዕሪ ዂሉ መሮር ኪነቅጽ እዮ፧ ንሳቶም፡ መወዳእታና ኣይኪርእን እዩ፡ ስለ ዝበሉ፡ ብሰሪ እከይ እቶም ኣብኣ ዚነብሩስ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለው። ምስ ኣጋር ተቓዳዲምካ ኻብ ዜድክሙኻ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ ክትቃዳደም ኢኻ፧ ኣብ ሃገር ሰላም እንተ ተኣመንካ፡ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧ እንሆ፡ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ ጠሊሞሙኻ እዮም። ኣፎም መሊኦም ድማ ደድሕሬኻ ይጥድሩ ኣለው። ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን፡ ኣይትእመኖም። ቤተይ ሐደግኩ፡ ርስተይ ለቐቕኩ፡ ነቲ ነፍሰይ እትብህጎስ ኣብ ኢድ ጸላእታ ወፌኹ። ርስተይ ከምቲ ኣብ ዱር ዘሎ ኣንበሳ ዀነኒ፡ ጓዚሙለይ እዩ እሞ፡ ጸላእክዎ። ርስተይዶ ዓንጥዓንጦራይ ሽላ ምዀነኒ፧ ጋባት ኣብ ኲሉ ወገን ዙርያኡ አለዉ። ኪዱ ንዂሎም ኣራዊት መሮር ኪበልዑ ኣኪብኩም ኣምጽእዎም። ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣባላሸውዋ፡ ንግደይ ረገጽዋ፡ ነታ ጽብቕቲ ግደይውን ዝጸመወ ምድረ በዳ ገበርዋ፡ ኣባደምዋ፡ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሐዝን አላ። ሓደ እኳ ኣብ ልቡ ዜስተዋድዮ ስለ እተሳእነ፡ እታ ሃገር ብዘላ ባደመት። ኣብ ኲሉ ዂርባታት ምድረ በዳ ወረርቲ ተፈነዉ፡ ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብቲ ሓደ ወሰን እታ ሃገር ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰና ይጐምድ አሎ እሞ፡ ስጋ ንዝለበሰ ዂሉ ሰላም የልቦን። ስርናይ ዘርኡ፡ እሾዂ ከኣ ዐጸዱ፡ ጸዐሩ ጥቕሚውን ኣይረኸቡን። ብሰሪ እቲ ርሱን ቊጥዓ እግዚኣብሄር ብእትዋት ቀውዕኹም ክትሐንኩ ኢኹም። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ነቲ ንህዝበይ እስራኤል ዘረስቴኽዎ ርስቲ ዚነኽኡ ዂሎም ክፉኣት ጐረባብተይ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ካብ ሃገሮም ክምንቊሶም፡ ንቤት ይሁዳ ድማ ካብ ማእከሎም ክምንቊሳ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ መንቈስክዎም ግና፡ ከም ብሓድሽ ክድንግጸሎም እየ እሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ረርስቱ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ሀሃገሩ ኽመልሶ እየ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከምቲ ንህዝበይ ብበዓል ኪምሕሉ ዝመሀርዎም፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ኪምሕሉስ መገድታት ህዝበይ እንተ ተማህሩ፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ ኪሀንጹ እዮም። ግናኸ እንተ ዘይሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኽምንቊሶ፡ ኣነ ኽምንቊሶን ከጽንቶን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Context