Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all8 bible verses about
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። ንዚባርኹኻ ክባርኾም፡ ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም። ኣብራም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደ፡ ሎጥ ድማ ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብራም ድማ ንሳራይ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉን፡ ነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ነፍሳትን ወሲዱ፡ ንምድሪ ኸነኣን ኪኸዱ ወጹ፡ ናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ መጹ። ኣብራም ድማ በታ ምድሪ ኽሳዕ ቦታ ሴኬም ክሳዕ ድዋታት ሞሬ ሓለፈ። በቲ ዘበንቲ ድማ ከነኣናውያን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ነበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተራእዮ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ እየ፡ ከኣ በሎ። ኣብኡውን ነቲ እተራእዮ እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሓሉ። ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤት-ኤል ዘሎ ኸረን ተጓዒዙ ድማ፡ ኣብኡ ድንኳኑ ተኸለ፡ እሞ ቤት-ኤል ብሸነኽ ምዕራቡ፡ ዓይ ከኣ ብምብራቑ ዀና። ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ብስም እግዚኣብሄርውን ተማህለለ። ኣብራም ድማ ተላዒሉ እናገዐዘ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸደ። ኣብታ ሃገር ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብታ ሃገር ጥሜት ስለ ዝበርትዔ ድማ፡ ኣብራም ብስደት፡ ኣብኣ ኪቕመጥ፡ ናብ ግብጺ ወረደ። ኰነ ኸኣ፡ ናብ ግብጺ ኺኣቱ ምስ ቀረበ፡ ንሰበይቱ ሳራይ፡ እንሆ፡ መልክዔኛ ሰበይቲ ምዃንኪ ፈሊጠ አሎኹ እሞ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ግብጻውያን ምስ ዚርእዩኺ፡ ሰበይቱ እያ ኺብሉ እዮም፡ ንኣይ ቀቲሎም ንኣኺ ብህይወት ይሓድጉኺ። እምበኣር በጃኺ፡ ብሳላኺ ምእንቲ ንኣይ ኪጥዕም፡ ነፍሰይ ድማ ብኣኺ ክትድሕንሲ፡ ሓብቱ እየ ደኣ በሊ፡ በላ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብራም ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡ ግብጻውያን እታ ሰበይቲ ብዙሕ መልክዔኛ ምዃና ረኣዩ። እቶም ሹማምቲ ፈርኦን ድማ ረኣይዋ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ነኣድዋ። ነታ ሰበይቲ ውን ናብ ቤት ፈርኦን ወሰድዋ። ንኣብራም ድማ ምእንትኣ ጽቡቕ ገበረሉ፡ ኣባጊዕን ኣብዑርን ኣውዳልን ገላዉን ኣግራድን ኣንስትዮ ኣእዱግን ኣግማልን ነበርዎ። እግዚኣብሄር ግና ብምኽንያት ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም፡ ንፈርኦንን ንቤቱን ብርቱዕ ቅጽዓት ቀጽዖ። ፈርኦን ድማ ንኣብራም ናብኡ ጸዊዑ፥ እንታይ እዩ እዚ ዝገበርካኒ ስለምንታይከ ኢኻ ሰበይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒ፧ ስለምንታይሲ ሓብተይ እያ፡ በልካ፧ ሰበይተይ ክትከውን ምወሰድክዋ ነይረ። ሕጂ ኸኣ እንሃትልካ፡ ሰበይትኻ ሒዝካ ኺድ፡ በሎ። ፈርኦን ድማ ብዛዕባኡ ንሰቡ፡ ንእኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉን ኬሰንይዎም፡ ኣዘዘ።
Translation | Contextከምቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል፡ እምበኣርስ እቲ መንፈስ ዚህበኩም ኣባኻትኩምውን ሓይሊ ዚገብር ብግብሪ ሕጊ ድዩ ወይስ ብምስማዕ እምነት፡ እምብኣርከ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ፡ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ምዃኖም ፍለጡ። እቲ ጽሑፍውን፡ ኣምላኽ ነህዛብ ብእምነት ከም ዜጽድቖም፡ ቅድም ርእዩ፡ ንኣብርሃም፡ ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ኣቐዲሙ ኣበሰሮ። እምብኣርስኸ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ ምስ ኣብርሃም፡ ምስቲ ኣማኒ፡ ኪባረኹ እዮም።
Translation | Contextሳራ ድማ ጠነሰት፡ በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ።
Translation | Contextኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ።
Translation | Contextንሱ ብዳህሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ። ኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረአየ። ምስ ረኣዮም ድማ፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ፡ በለ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ምገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒ። እእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኰታ ይምጽኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ። ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትሓልፉስ፡ ልብኹም ክትድግፉ፡ ቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም ድሕርቲ ትሓልፉ፡ በለ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ድማ በልዎ። ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብ ሳራ ናብ ድንኳን አትዩ፡ ቀልጢፍኪ ሰለስተ መስፈር ድኹም ሓርጭ ኣቘምጢዕኪ ቀጫጩ ሰንክቲ፡ በለ። ኣብርሃም ድማ ናብ ኣሓኡ ጐይዩ ልምሉም፡ ጽቡቕ ብተይ ወሲዱ፡ ነቲ ግዝኡ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኸዳልዎ ተቓለጠፈ። ርግኦን ጻልጣን እቲ ዘዳለዎ ብተይን ገይሩ ድማ ኣቕረበሎም። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ በልዑ። ንሳቶም ድማ፡ ሰበይትኻ ሳራኸ ኣበይ አላ፧ በልዎ ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ፡ በለ። ሽዑ ንሱ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት። ሕጂ ድማ ኣብርሃምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ፡ ንሳራ ድማ እቲ ልምዲ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ። ሳራ ኸኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐት፡ ድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዓለኒ፧ ጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራ፡ ኣሪገ ኸሎኹስ፡ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፧ ኢላ ሰሓቐት፧ ንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር አለዎ፧ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በሎ። ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቕኩን፡ ኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ግና፡ ኣይፋል፡ ስሒቕኪ እባ ደኣ፡ በላ። እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡ። ንሶዶም ገጾም ከኣ ቀንዑ፡ ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደ።
Translation | Contextብእግዚኣብሄር ከኣ ኣመነ፡ ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ።
Translation | Contextኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔኤ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ።
Translation | Contextኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርግና ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ትንፋሱ ወጸት ሞተውን፡ ናብ ህዝቡ ኸኣ ተአከበ። ደቁ ይስሃቅን እስማኤልን ድማ ኣብታ ኣብ ግራት ኤፍሮን ወዲ ጾሓር ሔታዊ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ በዓቲ ማኽጴላ ቐበርዎ። ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሔት እተሻየጣ ግራት፡ ኣብርሃምን ሰበይቱ ሳራን ኣብኣ ተቐብሩ።
Translation | Context