Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all21 bible verses about
መገዱ ምእንቲ ኸይትምሀር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ።
Translation | Contextኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ።
Translation | Contextኣቱም ሰብኡት፡ ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን።
Translation | Contextካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።
Translation | Contextልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል። ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም። ልዝቢ ልሳን ከም ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን መንፈስ ግና ንመንፈስ ትሰብሮ። ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆ፡ ዘለፋ ዚቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን። ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ አሎ፡ ኣብ እቶት ረሲኣን ግና ህውከት አሎ። ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ። መስዋእቲ ረሲኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖ፡ ጽድቂ ንዚስዕብ ግና የፍቅሮ። መገዲ ንዚሐድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፡ ተግሳጽ ዚጸልእ ከኣ ይመውት። ሲኦልን መዓሙቕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እዩ፡ ልቢ ደቂ ሰብ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ። መላገጺ ተግሳጽ ኣይፈቱን፡ ናብ ጠቢባን ኣይከይድን። ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር። ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ። ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ። ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲ፡ ሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሐይሽ። ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ። ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል ግና ባእሲ የህድእ። ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሽዅ እዩ፡ መገዲ ቕኑዓት ግና እተደላደለት እያ። ጥበበኛ ውሉድ ነቦኡ የሐጕሶ፡ ዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃ። ዕሽነት ነቲ ልቢ ዜብሉ ሰብ ደስታ እዩ፡ ለባም ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ። ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ። ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ፡ እወ፡ ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ። ለባም ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ኪርሕቕሲ፡ መገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ። እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎ፡ ንዶብ መበለት ግና የቝሞ። እኩይ ሓሳባት ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ልኡም ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ። እቲ ረብሓ ዚሀርፍ ንቤቱ ይህውኻ፡ መማለጃ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር። ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍል። እግዚኣብሄር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ፡ ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ። ብሩህ ቈላሕታ ንልቢ የሐጕሶ፡ ብስራት ነዕጽምቲ የስብሖ። እታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር። እቲ ተግሳጽ ዚኣቢ ንነፍሱ ይንዕቃ፡ ዘለፋ ዚሰምዕ ግና ይልብም። ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፡ ንኽብረት ከኣ ትሕትና ትቕድማ።
Translation | Contextኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ።
Translation | Contextከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ።
Translation | Contextሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
Translation | Contextንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።
Translation | Contextብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል አሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን። ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ። ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል አሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ። ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፡ ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ። ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል አሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ። ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስ፡ ንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ። ግዙር ክነሱ እተጸውዔዶ አሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዔኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘር። ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዚጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉን፡ ዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸዋዓሉ ጽውዓ ይንበር። ባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካ፧ ኣይትጒሄ። ሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔ፡ ባርያ ክርስቶስ እዩ። ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ። ኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበር። ብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩ፡ ሓሳባይ እብል አሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኺነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒ። ብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለ። ብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። ግናኸ እንተ ተመርዖኻ፡ ሓጢኣት ኣይገበርካን፡ ድንግልውን እንተ ተመርዓወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም አሎኹ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር አሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ። እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዓወት፡ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶ፡ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊ። ብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበር፡ መፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑ፡ ዝደለየ ይግበር፡ ሓጢኣት የብሉን፡ ንሰብኣይ ይሃባ። ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔ፡ ግዲ ዘይኰኖ፡ ኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብር። ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ አሎ።
Translation | Contextእምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ።
Translation | Contextሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ።
Translation | Contextልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል።
Translation | Contextንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።
Translation | Contextየማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ።
Translation | Contextነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።
Translation | Contextንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አሎ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።
Translation | Contextንሰበይቱ ዚፈትሓ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባ፡ ተባህለ። ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሃል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ።
Translation | Contextንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ።
Translation | Contextሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠርካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ንስኻ ናተይ ኢኻ። ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩ፡ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ መድሓኒኻ እየ እሞ፡ ንግብጺ በጀኻ፡ ንኢትዮጵያን ሳባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩ። ኣብ ኣዒንተይ ብሉጽን ክቡርን ስለ ዝዀንካን ስለ ዘፍቀርኩኻን፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ። ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦም፡ ካብ ምዕራብ ከኣ ክኣኻኽበካ እየ። ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእ፡ ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈተርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል አሎኹ ነቲ ዓይኒ ኸለዎስ ዕውር፡ እዝኒ ኸለዎስ ጸማም ዝዀነ ህዝቢ ኣውጽኣዮ፡ ኲሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡ፡ ህዝብታት ከኣ ይጨምረሩ፡ ካባታቶም ከምዚ ዘመሰለ ኺነግር ዚኽእል መን እዩ፧ እቲ ናይ ቀደም ባህሎም እስኪ የስምዑና፡ ሰብ ሰሚዑ፡ ሓቂ እዩ፡ ምእንቲ ኺብልሲ፡ ምስክሮም የቕርቡ፡ መርትዕኦም ከኣ የፍልጡ። ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነን፡ ድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ። ኣነ፡ ኣነ እየ እግዚኣብሄር፡ ብጀካይ መድሓኒ የልቦን። ኣነ እየ ዝነገርኩ፡ ዘድሐንኩ፡ ዘስማዕኩ፡ ካልእ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ማእከልኩም ኣይነበረን። ስለዚ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነውን ኣምላኽ እየ። ካብ ጥንቲ ኣነ እየ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከኣ የልቦን፡ ኣነ እገብር፡ ኪኽልክል ዚከኣሎኸ መን እዩ፧ እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊኹም፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ምእንታኹም ናብ ባቢሎን ልኢኸ፡ ንዂሎም፡ ኤረ ንከለዳውያንውን በተን ዚሕጐሱለን መራኽቦም ሰጒጐ ኸህድሞም እየ፡ እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስኩም፡ ፈጣር እስራኤል እቲ ንጉስኩም ኣነ እየ። እቲ ንሰረገላን ፈረሰን ንጭፍራን ጅግናን ዘውጽኤ፡ - ኲላቶም ብሓደ ወደቑ፡ ኣይኪትንስኡን ከኣ እዮም፡ ጠፍኡ፡ ከምፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ቀሀሙ፡ - እቲ ኣብ ባሕርስ ጐደና፡ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከኣ መገዲ ዝገበረ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላ፡ ኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ። ንህዝበይ፡ እቲ ሕሩየይ፡ ምእንቲ ኸስቲ፡ ማይ ኣብ በረኻ፡ ውሒዝውን ኣብቲ ምድረ በዳ ኽህብ እየ እሞ፡ እንስሳ መሮር፡ እኒወኻርያን ሰገንን፡ ከኽብሩኒ እዮም። እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ። ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ግና ኣይጸዋዕካንን፡ ኣታ እስራኤ፡ ፋዕራይ ኣይገበርካን። ገንእሸል መስዋእቲ ምሕራርካ ኣየቕረብካለይን፡ ብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን፡ ብመስዋእቲ ብልዒ ኣየትዐብኩኻን ብዕጣን ከኣ ኣየድከምኩኻን። ብሓጢኣትካ ደኣ ኣትዐብካኒ፡ ብኣበሳኻ ድማ ኣድከምዳኒ እምበር፡ ቀረፋ ብገንዘብ ኣይተወየጥካለይን፡ ብስብሒ መስዋእትኻውን ኣየጽገብካንን። ኣነ፡ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ ገበንካ ዝድምስስ፡ መሊሰ ኸኣ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን። ኣዘክረኒ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ክትረትዕሲ ባዕልኻ ተዛረብ። እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፡ እቶም መምህራንካ ድማ ዐመጹኒ። ስለዚ ንሓላቑ ቤተ መቕደስ ኣርከክዎም፡ ንያእቆብ ከኣ ንሕርሚ መጦኽዎ፡ ንእስራኤል ድማ ንጸርፊ ወፌኽዎ።
Translation | Context