Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

accepting christ


ሮሜ 10:9 | 11 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርንይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 5 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም

Translation | Context
ራእይ 3:20 | 4 Helpful votes

እንሆኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 4 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ሮሜ 3:23 | 3 Helpful votes

ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 3 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:12 | 3 Helpful votes

ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:12 | 3 Helpful votes

ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም

Translation | Context
ሮሜ 10:13 | 3 Helpful votes

ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።

Translation | Context
ገላትያ 3:26 | 3 Helpful votes

ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።

Translation | Context
ማርቆስ 16:16 | 3 Helpful votes

ዝአመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘያኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:31 | 2 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 2 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩምንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎመወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:9 | 2 Helpful votes

ጐይታስኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:21 | 2 Helpful votes

ኪኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዂሉ ኺድሕን እዩ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:23 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:3-8 | 2 Helpful votes

እቲ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፡ ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም። እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹምብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም። ነዚ ኸይርኤኩምዎ እተፍቅርዎሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩምንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:41 | 2 Helpful votes

እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁበታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ

Translation | Context