Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ከይፈለጠ፡ ነፍሲ ዝቐተለ ቐታሊ ናብኤን ኪሀድም እሞ፡ ካብ ፈዳይ ደም መዕቈቢ ኪዀናኹም፡ እተን ብሙሴ ዝበልኩኹም ከተማታት መዕቈቢ ንኣኻትኩም ፍለይወን። ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን ይህደም፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸኣ፡ እቲ ነገሩ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ እቲኣ ኺሰምዕዎ ይንገሮም። ናብታ ኸተማ ናባታቶም ይቀበልዎ፡ ምሳታቶም ዚነብረላ ቦታ ድማ ይሀብዎ። ነቲ ብጻዩ፡ ቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ፡ ከይፈለጠ ቐቲልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ፈዳይ ደም እንተ ሰጐጎ፡ ነቲ ዝቐተለ ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ኣይሀብዎ። ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኽሳዕ ዚቐውም፡ እቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብታ ኸተማ ይቀመጥ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ተመሊሱ ናብ ከተማኡን ናብ ቤቱን፡ ናብታ ኻብኣ ዝሀደመላ ኸተማ፡ ይእቶ። እምበኣርሲ ኣብ ገሊላ ኣብ ከረን ንፍታሌም ቄዴስ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ድማ ሴኬም፡ ኣብ ከረን ይሁዳ ኸኣ ቂርያት-ኣርባ፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡ ፈለዩ። ካብ ነገድ ሮቤል ከኣ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ ምብራቕ ያሪኮ እታ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጐልጐል ዘላ ቤጸር፡ ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ራሞት፡ ካብ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ፈለዩ። እተን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ደው ክሳዕ ዚብል፡ ብኢድ ፈዳይ ደም ከይመውትሲ፡ ኪሀድመለን እተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ምድሮም ዚህበካ ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ኣጥፍኦም እሞ ምስ ወረስካዮም፡ ኣብ ከተማታቶምን ኣብ ኣባይቶምን ድማ ምስ ተቐመጥካ፡ ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ሰለስተ ኸተማ ፍለ። ንኣኻ መገዲ ጽረግ፡ ነፍሲ ወከፍ ቀታል ነፍሲ ናብኡ ምእንቲ ኺሀድም ድማ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ዶብ ምድርካ ኣብ ሰለስተ ምቐሎ። ናብኡ ዝሀደመ ቐታል ነፍሲ ምእንቲ ኺድሕን፡ ነገሩ ኸምዚ እዩ፡ ቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ፍልጠት ንብጻዩ ዝቐተለ፡ ዕጨይቲ ኪቘርጽ ምስ ብጻዩ ናብ ዱር እንተ ወፈረ፡ ኦም ኪቘርጽ ኢሉ፡ ማሕጸ ብኢዱ ወስ እንተ ኣበለ፡ እቲ ሓጺን ካብ ሓኽሊ ነጺሉ፡ ነቲ ብጻዩ እንተ ረኸቦ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ናብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት እቲኤን ሀዲሙ ድማ ብህይወት ይንበር። ቀደም ጽልኢ ስለ ዘይነበሮ፡ ሞት ዘይግብኦ ኽነሱ፡ እቲ ፈዳይ ደም ልቡ ነዲድዎ ኸሎ፡ እቲ ቐታሊ ኸይሰጎ፡ መገዱ ስለ ዝረሐቐ ኸኣ፡ ኣርኪቡ ኸይቀትሎ፡ ስለዚ ኣነ፡ ሰለስተ ኸተማ ንኣኻ ፍለ፡ ኢሉ እእዝዘካ አሎኹ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ነቦታትካ ዝመሐለሎም፡ ዶብካ ምስ ኣግፍሓልካ፡ እቲ ነቦታትካ ኽህቦም እየ ዝበለ፡ ኵላ እታ ሃገር ምስ ሀበካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ እዚ ኽትገብሮ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ወርትግ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ እንተ ተጠንቀቕካ፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ እዘን ሰለስተ ኸተማታት እዚኤን ንኣኻ ኻልኦት ሰለስተ ኽትውስኽ ኢኻ። እዚ ኸኣ ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ንጹህ ደም ምእንቲ ኸይፈስስ እሞ ኣብ ልዕሌኻ ደም ከይከውን እዩ።
Translation | Context