Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

acknowledging god


ምሳሌ 3:5-6 | 21 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 4:11 | 8 Helpful votes

እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ።

Translation | Context
ሮሜ 1:28-31 | 6 Helpful votes

ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦምዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦምምሉኣት ቅንኣትቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰልእከይ፡ መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲኣብ ኣምላኽ ጽሉኣትገፋዕቲኲሩዓትተዘሃርቲተጣበብቲ እከይንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡

Translation | Context
እያሱ 1:3 | 4 Helpful votes

ከምቲ ንሙሴ እተዛረብክዎከብዲ እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:3-31 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹንበለብርሃን ድማ ዀነኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓንቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹንበለኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነካልአይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብበለከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእበለከምኡ ድማ ዀነ። እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤትኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳልሰይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹንንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን። ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥንከዋኽብቲውን ገበረ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፈልዩኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮምኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነራብዐይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራበለኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉንክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ድማፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓኢሉ ባረኾምምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓምሰይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእበለከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮምኣምላኽ ከኣ ባረኾምኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋንንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡበሎምኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩምንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየእንሆብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳድሰይቲ መዓልቲ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:15 | 4 Helpful votes

ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:1-48 | 3 Helpful votes

ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኣብቲ ኢጣልያናዊ ዚብሀል ጭፍራ ሓለቓ ሚእቲ እዩ። ጻድቕ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርህ ንህዝቢውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውትኲሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዚልምን እዩ። ብታስዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብግሁድ ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ አትዩ፡ ዎ ቆርኔሌዎስኪብሎ ኸሎ ረአየ። ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ሰምቢዱ፡ እንታይ እዩ፡ ጐይታይበለ። ንሱ ድማ፡ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደዪቡ እዩ፡ ሕጂ ኸኣ ሰባት ናብ ዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣምጽኣዮ። ንሱ ምስቲ፡ ቤቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦንፈሓቚ ቈራብቲ፡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ አሎ፡ በሎ። እቲ ዚዛርቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብቶም ገላዉኡ ኽልተ፡ ካብቶም ዘይፍለይዎ ኸኣ ሓደ ሕያዋይ ሓሽከር ጸውዔ እሞ፡ ነቲ ዝዀነ ዂሉ ኣዘንትዩ ናብ ዮጴ ለኣኾምንጽብሒቱ ንሳቶም መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። ሽዑ ጠምዩ ኺበልዕ ደለየ፡ ኬዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ተመሰጠሰማይ ተኸፊቱ ኣቕሓ ኸኣ ከም ዓብዪ ኽዳን በርባዕተ መኣዝኑ ተትሒዙ ኺወርድ፡ ኣብ ምድሪውን ኪበጽሕ ከሎ ረአየ። ኣብኡ ኸኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኲሎምን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ እሞ፡ ጴጥሮስተንስእሐሪድካ ብላዕ፡ ዚብል ድምጺ መጾጴጥሮስ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለን እኳ በሊዔ ኣይፈልጥን እየ እሞ ኣይከውንን እዩ፡ በለ። ከም ብሓድሽ ድማ ካልኣይ ጊዜ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ንስኻ ኣይተርክሶዚብል ድምጺ መጾ። እዚ ሰለስተ ሳዕ ኰነ፡ ብኡብኡ ኸኣ እቲ ኣቕሓ ናብ ሰማይ ተወስደጴጥሮስ እቲ ዝረኣዮ ራእይእንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢሉ ብልቡ ኺግረም ከሎ፡ እንሆ፡ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባትቤት ስምኦን እናሐተቱ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ፡ ጸዊዖም ከኣ፡ እቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ እንተሎ፡ ሐተቱጴጥሮስ በቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ፡ መንፈስእንሆሰለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ አለዉ፡ ስለዚ፡ ኣነ ልኢኸዮም እየ እሞ ተንሲእካ ውረድከይተስከፍካውን ምሳታቶም ኪድበሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱእንሆ፡ እቲ እትደልይዎ ዘሎኹም ኣነ እየ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ኣብዚ ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንቆርኔሌዎስ፡ ነቲ ሓለቓ ሚእቲብዂሉ ህዝቢ ኣይሁድ እተመስከረሉንኣምላኽ ዚፈርህ ጻድቕ ሰብኣይ፡ ናብ ቤቱ ኺጽውዓካ ኻባኻውን ቃል ኪሰምዕብቕዱስ መልኣኽ ተገሊጹሉ አሎ፡ በሉ። ሽዑ ኣእትዩ ኣሕደሮምንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፡ ካብ ዮጴ ኸኣ ሓያሎ ኣሕዋት ሰዐብዎንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቂሳርያ ኣተዉቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ዚቐርብዎ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ። ኰነ ድማ፡ ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡውን ሰገደሉጴጥሮስ ግና፡ ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ፡ ተንስእኢሉ ኣተንስኦምስኡ እናተዛራረበ ኣተወ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰብ ተኣኪቦም ረኸበ እሞ፡ ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ኪሕወስ ወይስ ናይ ቤቱ ኺኣቱ ኸም ዘይግብኦ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብልኣምላኽ ኣርእዩኒ። ምእንትዚ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይስግጥ ከይበልኩ መጻእኩ። ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይእሐተኩም አሎኹ፡ በሎም። ቆርኔሌዎስ ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ብታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ቤተይ ኰይነ እጽሊ ነበርኩእንሆ ኸኣ፡ ዜብርህ ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ደው በለ እሞ፡ ቆርኔሌዎስጸሎትካ ተሰሚዑምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘኪሩ እዩ እሞ፡ ናብ ዮጴ ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ጸውዓዮ፡ ንሱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ቤት ስምኦን ፈሓቚ ቈራብቲ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ አሎ። ንሱ ምስ መጸኪነግረካ እዩ፡ በለኒ። ሽዑ ብኡብኡ ናባኻ ለኣኽኩ፡ ንስኻ ድማ ብምምጻእካ ጽቡቕ ገበርካሕጂ ኸኣ ካብ ጐይታ እተዘዘዝካዮ ዘበለ ምእንቲ ኽንሰምዕሲኲላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብዚ እኔና፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ። እቲ ናብ ደቂ እስራኤል ብየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታ ዂሉሰላም እናኣበሰሮም እተላእከ ቓል፡ እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ናብ ኲላ ይሁዳ ዝበጽሔ ቓል፡ ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬትኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ነቲ ኣብ ሃገር ኣይሁድን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ ዂሉ ንሕናውን ምስክር ኢና። ንእኡ ኣብ ዕጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። ንእኡ ኣምላኽ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦኪገሀድ ከኣ ሀቦ፡ ንኣና፡ ምስክር ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣምላኽ ቅድም ዝሐረየናንኣናድሕሪ ኻብ ምውታት ምትንሳኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰቴናን እምበር፡ ንዂሉ ህዝብስ ኣይተጋህደን። ኣምላኽውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ፡ ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና። ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ አለዉ። ጴጥሮስ ገና እዚ ቓልዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ። እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ። ሽዑ ጴጥሮስ፡ እዚኣቶምስ ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧ ኢሉ መለሰ። ብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ ኸኣ ኣዘዘ። ድሕርዚ ድማ ቅሩብ መዓልቲ ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ

Translation | Context
መዝሙር 115:16 | 3 Helpful votes

ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፣ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:18 | 3 Helpful votes

እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ፡ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ብጀካይውን ካልእ የልቦን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:1-31 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረትጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹንበለብርሃን ድማ ዀነኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓንቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹንበለኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነካልአይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብበለከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእበለከምኡ ድማ ዀነ። እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤትኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳልሰይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹንንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን። ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥንከዋኽብቲውን ገበረ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፈልዩኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮምኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነራብዐይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራበለኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉንክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ድማፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓኢሉ ባረኾምምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓምሰይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእበለከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮምኣምላኽ ከኣ ባረኾምኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋንንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡበሎምኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩምንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየእንሆብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳድሰይቲ መዓልቲ

Translation | Context
ሮሜ 1:1-32 | 3 Helpful votes

ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዔንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ፡ ኣቐዲሙ ብነብያቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎብዛዕባ ወዱብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እተወልደ፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳኡብመንፈስ ቅዱስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡ ስለ ስሙ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን እተቐበልና፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳታቶም ጽዉዓት የሱስ ክርስቶስ ኢኹም፡ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኲላትኩም። ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይሃሉኹም። እምነትኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ እተወርየትቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ አሎኹ። ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩምክርእየኩም እናፍቕ አሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ - ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ - ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩምብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ። ኣቱም ኣሕዋተይከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብኣባኻትኩምውን ፍረ ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ፡ ምኽረይ ከም ዝቘረጽኩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ። ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ አሎኒ። ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ አሎኹ። ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ። ከምቲ ጽሑፍጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዚብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሃድ እዩ። ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩእዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜንንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉንኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦምደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦምዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦምምሉኣት ቅንኣትቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰልእከይ፡ መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲኣብ ኣምላኽ ጽሉኣትገፋዕቲኲሩዓትተዘሃርቲተጣበብቲ እከይንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ አለዉ እምበር፡ ዚገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን።

Translation | Context
መዝሙር 14:2 | 3 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ዚደሊ ለባም እንተሎ ኺርኢ ኢሉስ፣ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ

Translation | Context