Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና።
Translation | Contextንኽምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል።
Translation | Contextምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።
Translation | Contextማለት፡ እቶም ውሉድ ተስፋ እዮም ንዘርኢ ዚቚጸሩ እምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን።
Translation | Contextነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።
Translation | Contextርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምእውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ።
Translation | Contextንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና። ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ።
Translation | Contextኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፣ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ።
Translation | Contextብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።
Translation | Contextንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።
Translation | Contextኮነ ድማ። ንሃዳሳ ጓል ሓወቦኡ ኣዕብይዋ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ ኣስቴር እያ። ኣቦን ኣደን ድማ ኣይነበርዋን። እታ ጓል እቲኣ ኸኣ ኣዝያ መልክዔኛ ትርኢታ ድማ ጽብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን ኣዲኣን ምስ ሞቱ ኸኣ፡ ማርዶካይ ከም ጓሉ ጌሩ ሒዝዋ ነበረ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና።
Translation | Contextንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም።
Translation | Contextምስ ተደርበየ ግና፡ ጓል ፈርኦን ኣልዐለቶ፡ ወዳ ኪኸውን ከኣ ኣዕበየቶ።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።
Translation | Context