Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።
Translation | Contextነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፣ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።
Translation | Contextጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፣ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ። እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ፣ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፣ ይውረዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፣ አብኡውን ዓመጻ የልቦን።
Translation | Contextጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።
Translation | Contextሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ።
Translation | Contextእተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡
Translation | Contextንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ።
Translation | Contextጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፣ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ። እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ፣ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፣ ይውረዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፣ አብኡውን ዓመጻ የልቦን።
Translation | Contextኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ኣቱም ዝተረፍኩም ቤት እስራኤል ኲላትኩም፡ ካብ ከርሲ ጀሚርኩም ኣባይ እተጸዐንኩም፡ ካብ ማሕጸን ጀሚርኩም ብኣይ እተጾርኩም፡ ስምዑኒ፡ ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ፡ ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም፡ ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየ፡ ክጸውርን ኸድሕንን እየ።
Translation | Contextሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
Translation | Contextሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በለ።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ። ጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱ፡ ደበንታት ከአ ድሕሪ ዝናም ከይተመልሰ፡ በታ ሓለውቲ ቤት ዜንቀጥቅጡላ፡ ብርቱዓት ሰብኡት ዚጒብጡላ፡ ጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ዜብኩኵራላ፡ ጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዚጽልምቱላ፡ ኣብ ኣደባባይ ዜእቱ ደጌታት ከአ ዚዕጸወላ መዓልቲ፡ ደሀይ መጥሓን ምስ ላሸወ፡ ድምጺ ኣዕዋፍ ሰሚዑ ምስ ዚትንስእ፡ ኩለን ደረፍቲ ኣዋልድ ድማ ምስ ላሕተታ፡ ሽዑ ንበረኸቲ ይፈርሁ፡ ኣብ መገዲውን ይስምብዱ፡ ለውዚ ትዕምብብ፡ ኣንበጣ እኳ ይኸብድ፡ ቀመም ከአ ዊንታ ኣየለዐዕልን፡ ሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ። ድሪ ብሩር ከየተበትከ፡ ፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐ፡ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረ፡ መዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐ፡ መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ።
Translation | Contextንእሽቶ ነበርኩ፣ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፣ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፣ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን።
Translation | Contextስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ።
Translation | Contextንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከአሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ነቲ ሃብትን ጥሪትን ዝሀቦ ሰብ ካብኡ ኺበልዕን ግዲኡ ኺወስድን ብጻዕሩ ኺሕጎስን እንተ ኣሰልጠኖ፡ ኣምላኽ ናይ ልቡ ሓጐስ ስለ ዝሀቦ፡ ነተን መዓልትታት ህይወቱ ኣዝዩ ኣይኪዝክረንን እዩ እሞ፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextአፈይ ብምስጋናኻ፣ ኵሉ መዓልቲ ብኽብርኻ ምልአዮ። ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።
Translation | Contextጥበብ ኣብ ሽማግሌታት፡ ምስትውዓልውን ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዩ።
Translation | Context