Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

alms


ማቴዎስ 6:1-4 | 9 Helpful votes

ጽድቅኹምኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩከይትገብሩ ተጠንቀቑእንተ ዘይኰነስኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምንእምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻከምቲ እቶም ግቡዛትብሰብ ምእንቲ ኺንአዱኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ

Translation | Context
ማቴዎስ 19:21 | 6 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስኪድዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዐበኒበሎ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:7 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:17 | 4 Helpful votes

ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:5-7 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ነቲ ቕድም ዘተስፈኩምዎ በረኸት፡ ንሱ ኸም ብቂ ዘይኰነስከም በረኸት ተዳልዩ ኺጸንሕ፡ ነቶም ኣሕዋት ቅድሚት ናባኻትኩም ሐሊፎም ኬዳልዉ ኽምዕዶም ብግዲ ዀነኒ። ግናኸ እዚ እብል አሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ

Translation | Context
እብራውያን 6:10 | 3 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ፡ ብኣኻትኩምሲ፡ ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብናዚሐይሽን ንምድሓን ብዚኸውንን ንእመን አሎና።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:18 | 3 Helpful votes

ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡

Translation | Context
እብራውያን 13:16 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:42 | 3 Helpful votes

ንዝለመነካ ሀቦካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ

Translation | Context
ሉቃስ 11:41 | 3 Helpful votes

ግናኸ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ሃቡእንሆ፡ ሽዑ ዅሉ ጽሩይ ይዀነልኩም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:2 | 2 Helpful votes

ካብ ከርሲ ኣዲኡ ሒዙ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚአትው ምጽዋት ምእንቲ ኺልምንጾይሮም ኣብ ጸጽባሕ ኣብታ ጽብቕቲ እትበሀል ደገ ቤተ መቕደስ የቐምጥዎ ነበሩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 25:35 | 2 Helpful votes

ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር

Translation | Context
ምሳሌ 16:19 | 2 Helpful votes

ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ፡ ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሐይሽ

Translation | Context
ማቴዎስ 6:2 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻከምቲ እቶም ግቡዛትብሰብ ምእንቲ ኺንአዱኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዘዳግም 15:7-8 | 2 Helpful votes

ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉእቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 8:1-4 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም አሎና፡ ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሀቡ፡ እምስክረሎም አሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮምሓላፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶምን ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ። ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና

Translation | Context