Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

ancestral worship


ዘዳግም 18:9-13 | 45 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 33:6 | 10 Helpful votes

ንሱ ኣብ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም፡ ብደበና ብተመን ገይሩ ድማ ይፈልጥ ነበረ፡ ኣስማት ይገብርን ይጥንቊልን ነበረመንፈስ ጠንቈላ ዘለዎምን መውደቕቲ ዛዕጐልን ድማ ኣከበ፡ ምእንቲ ኬዀርዮ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ

Translation | Context
2ይ ነገስት 1:1-18 | 10 Helpful votes

ድሕሪ ሞት ኣከኣብ ድማ ካብ እስራኤል ዐለወኣሓዝያ ኸኣ ካብታ ኣብ ሰማርያ ዘላ ደርቢ ቤቱ ብዓይነ ርግቢ ጸደፈ እሞ ሐመመ፡ ሽዑ ልኡኻት ሰዲዱኪዱ እሞ ካብዚ ሕማመይ ዝሐዊ እንተ ዀይነ፡ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ሕተቱለይበሎም። ግናኸ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቲስቢታዊተንስእ፡ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትቀባበሎም ደይብ እሞ፡ እቲ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐቱ ዝኸድኩምሲኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ፧ ስለዚ ኸኣ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል አሎ እግዚኣብሄር በሎምኢሉ ተዛረቦኤልያስ ከኣ ኸደእቶም ልኡኻት ድማ ናብኡ ተመልሱ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም እተመለስኩምበሎም። ንሳቶም ድማ በልዎ። ሓደ ሰብኣይ ኪቃባበለና ደዪቡ፡ ናብቲ ዝለአኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም፡ እቲ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐትት ዝለአኽካስ፡ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ፧ ስለዚ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል አሎ እግዚኣብሄር ኢልኩም ተዛረብዎ፡ በለና። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ኺቃባበለኩም ደዪቡስ እዚ ዘረባ እዚ እተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ በሎም፡ ንሳቶም ድማ፡ ማቕ እተኸድነ፡ ኣብ ሕቜኡ ኸኣ ፈልቊ እተዐጥቀ ሰብአይ እዩ፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ንሱ ኤልያስ ቲስቢታዊ እዩ፡ በለ። እቲ ንጉስ ከኣ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስቶም ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበእንሆ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ርእሲ ኸረን ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስውረድይብለካ አሎ፡ በሎኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩምኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖምመሊሱ ድማ ካልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ፡ እዚ ኸኣ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ ቀልጢፍካ ውረድ ይብለካ አሎ፡ ኢሉ ተዛረቦኤልያስ ድማ፡ ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩምኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖምመሊሱ ድማ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ሰደደ፡ እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ኸኣ ደየበመጺኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኸምዚ ኢሉ ለመኖ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብበጃኻ፡ ነፍሰይን ነፍሳት እዞም ሓምሳ ገላዉኻን ኣብ ቅድሜኻ ኽቡራት ይኹና። እንሆ፡ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ሓላቑ ሓምሳስ መምስ ሓምሳኦም ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ በልዖምሕጂ ኸኣ ነፍሰይ ኣብ ቅድሜኻ ኽብርቲ ትኹን። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ፡ ምስኡ ውረድ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣይትፍራህ፡ ኢሉ ተዛረቦተንሲኡ ኸኣ ምስኡ ናብቲ ንጉስ ወረደ። ንእኡ ድማ ተዛረቦ፡ እቲ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐትት ልኡኻት ዝሰደድካስ፡ ኣብ እስራኤልዶ ነገሩ እትሐቶ ኣምላኽ የልቦን እዩ፧ ስለዚ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብዚ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል አሎ እግዚኣብሄር። ከምቲ ኤልያስ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ሞተወዲ ኣይነበሮን እሞኣብ ክንዳኡ ዮራም ነገሰ። እዚ ኸኣ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቱ ንዮራም ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ዀነ። እቲ ዝተረፈ ኣሓዝያ ዝገበሮ ነገሩ። ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

Translation | Context