Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
Translation | Contextሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተ፡ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረብ ኣይደፈረን።
Translation | Contextበቲ ዘመንቲ ሚካኤል፣ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብካ ዚቐውም ዓብዪ መስፍን፣ ኪትንስእ እዩ። ሽዑ ዘምን ጸበባ ኪኸውን እዩ፣ ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝሀለዉላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ከቶ ዀይኑ ኣይፈልጥን። በታ ጊዜ እቲኣስ ህዝብኻ፣ ኣብ መጽሓፍ ተጽሒፉ እተረኸበ ዘበለ፣ ኪድሕን እዩ።
Translation | Contextእቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸኣ፣ ሚካኤል፣ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ፣ ንምሕጋዘይ መጸ፣ ኣነውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት ፋርስ ተረፍኩ።
Translation | Contextኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም።
Translation | Contextግናኸ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሓቂ እተጻሕፈ እነግረካ አሎኹ፡ ነዚኣቶም ንምቅዋም ብጀካ ሚካኤል፡ እቲ ምስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን።
Translation | Contextኣነ ኸኣ፡ ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ድማ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ እሞ፡ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር የሱስ ዚሕዙ ዘለዉ ኣሕዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።
Translation | Contextአብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣
Translation | Contextጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም።
Translation | Contextግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎና። ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ።
Translation | Contextበታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፡ ነፍሲ ወከፎም ሹድሽተ ኽንፊ አለዎ፡ በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ነእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተውን ይነፍር ነበረ። እቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ሓደ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ አላ፡ ኢሉ ኣድሀየ። ብድምጺ እቶም ዘድሀዩ እቲ መሰረት ልዳውቲ ኣንቀጥቀጠ፡ እታ ቤትውን ትኪ መልኤት። ሽዑ ድማ፡ ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር አሎኹ እሞ፡ ወይለይ፡ ኣዒንተይ ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየን እየን እሞ፡ ጠፋእኩ፡ በልኩ። ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፡ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጒጤት ወሲዱ፡ ኣብ አዱ ሒዙ ናባይ ነፈረ። ብእኡ ኸኣ ኣፈይ ተንከየ እሞ፡ እንሆ፡ እዚ ንኸናፍርካ ተንከዮ፡ ኣበሳኻ ረሐቐልካ፡ ሓጢኣትካውን ጸረየልካ፡ በለ። ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒ፡ በልኩ። ንሱ ድማ፡ ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ፡ ምስማዕሲ ስምዑ፡ ግናኸ ኣይተስተውዕሉ፡ ምርኣይሲ ርኣዩ፡ ግናኸ ኣይተለልዩ፡ ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩ፡ በእዛኖም ከኣ ከይሰምዑ፡ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስ፡ ንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖ፡ ነእዛኖም ኣጽምመን፡ ነዒንቶምውን ዐምተን፡ ኢሉ ተዛረበኒ። ኣነ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ ክሳዕ መኣዝ፡ በልኩ። ንሱ ድማ በለ፡ ከተማታት ክሳዕ ዚባድማ እሞ ዚነብረን ዜብለን፡ ኣባይቲ ብዘይ ሰብ፡ እታ ሃገርውን በረኻ ዀይና ኽሳዕ እትባድም፡ እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዜግዕዞም፡ ኣብ ማእከል እታ ሃገርውን ጽምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዚበዝሕ። ዕሽር እኳ ኣብኣ እንተ ተረፈ፡ ንሱውን መሊሱ ኺጠፍእ እዩ። ግናኸ ከምቲ መመናን ኣውሕን ምስ ተቘርጸ፡ ጒንዱ ዚተርፍ፡ ከምኡ እቲ ቅዱስ ዘርኢ ጒንዱ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextኵላቶምዶ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለአኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን፧
Translation | Contextኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን።
Translation | Context