Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

armageddon


ራእይ 16:16 | 10 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ ኣከብዎም

Translation | Context
ማቴዎስ 24:21 | 6 Helpful votes

ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ

Translation | Context
ኢሳይያስ 13:9 | 5 Helpful votes

እንሃ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶምብቚጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ አላ።

Translation | Context
ራእይ 11:15 | 5 Helpful votes

እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኮይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ፡ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ።

Translation | Context
ራእይ 16:14 | 5 Helpful votes

እዚኣቶም ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም

Translation | Context
ራእይ 19:11-21 | 4 Helpful votes

ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹእንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀልብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእንኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታትጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዅለን ኣዕዋፍስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦምስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተአከባእናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ። እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም። እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ

Translation | Context
ራእይ 12:9 | 4 Helpful votes

እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየመላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ

Translation | Context
ራእይ 14:14-20 | 3 Helpful votes

ርኤኹ ድማ፡ እንሆጻዕዳ ደበናን፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርኤኹ። ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ መቕደስ ወጺኡ ነቲ ኣብ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ፡ ጊዜ ዓጺድ አትዩፍረ ምድሪውን በጺኡ እዩ እሞ፡ ንማዕጺድካ ስደዶ ዕጸድውን፡ ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዔ። እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውረደምድሪውን ተዐጽደትካልእ መልኣኽ ድማ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወጸ፡ ንሱውን በሊሕ ማዕጺድ ሐዘካብቲ መሰውኢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ ሓደ ኻልእ መልኣኽ መጸ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝሐዘ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድማጺ እናጸውዖ፡ እቲ ኣስካል ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካነቲ ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ ኽተቶበለ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውሪዱ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ኸተቶ እሞናብቲ ዓብዪ መጽመቝ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ደርበዮ። እቲ መጽመቝ ድማ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ተረግጸ እሞ ካብቲ መጽመቝ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን እስታድዮስ ዚኣክልክሳዕ ልጓማት ኣፍራስውን ዚበጽሕ ደም ወጸ

Translation | Context
ራእይ 19:19-21 | 3 Helpful votes

እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ። እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም። እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ

Translation | Context
ኢሳይያስ 13:6 | 3 Helpful votes

መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ፡ ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዂሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ እሞ፡ ብኸዩ

Translation | Context
ራእይ 17:1-18 | 3 Helpful votes

ካብቶም ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጺኡፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስንዓ ነጀውነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም እናበለ ተዛረበኒ። ብመንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ርኤኹ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ቀዪሕ ግምጃን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቝን ተሰሊማ ነበረት፡ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልኤ ዜፈንፍን ጽዋእ ወርቂ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት። ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር እታ ዓባይ ባቢሎንኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን፡ ዚብል ስም ጽሑፍ እዩ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ ርኤኽዋ። ምስ ርኤኽዋ ኸኣ ብርቱዕ ምግራም ተገረምኩ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ስለምንታይ ተገሪምካምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጸዊርዋ ዘሎ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ፡ በለኒ። እቲ ዝርኤኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ኪኸይድ እዩ። ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚመጽእን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም። ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮምሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፡ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖምእቲ ሓደ አሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፡ ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ኪነብር ይግብኦ እዩ። እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት፡ ንሱ ድማ ሳምናዮም እዩ፡ ካብቶም ሾብዓተ ኸኣ እዩ፡ ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ። እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርኒ ድማ መንግስቲ ገና ዘይተቐበሉ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግናኸ ምስቲ ኣራዊት ከም ነገስታት ኰይኖም፡ ንሓንቲ ሰዓት ምልኪ ዚቕበሉ እዮም። እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ አለዎም፡ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ኪህብዎ እዮም። እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም፡ እቲ ገንሸል ግና፡ ጐይታ ጐይተትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ ኪስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ኪስዐሩ እዮም። እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝርኤኻዮ ማያትሲ ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም። እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም። ማለት፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩን ሓደ ሓሳብ ኪዀኑን፡ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዝፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ኪህብዎን ኣብ ልቦም ኣእትዩ አሎ። እታ ዝርኤኻያ ሰበይቲ ድማ ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።

Translation | Context
ዘካርያስ 14:1-21 | 2 Helpful votes

እንሆ፣ መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ አላ፣ ዘመቴኺ ኸኣ ኣብ ማእከልኪ ኺምቀል እዩ። ኣነኸኣ ኵላቶም ኣህዛብ ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ኽእክቦም እየ፣ እታ ኸተማ ኽትትሐዝ እያ፣ ኣባይቲ ኺዝመት እዩ፣ ኣንስቲውን ኪንውራ እየን፣ ፍርቂ እታ ኸተማ ድማ ተማሪኻ ኽትወጽእ እያ፣ ካብቲ ህዝቢ ዝተረፈ ግና ካብታ ኸተማ ብጥራስ ኣይኪጠፍእን እዩ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኪወጽእ፣ ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እተዋግኦ፣ ነቶም ኣህዛብ ኪዋግኦም እዩ። በታ መዕልቲ እቲኣ ኣእጋሩ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ኣብ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ዘይቲ ኪቐውም እዩ። እቲ ኸረን ዘይቲ ኸኣ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ኣብ ማእከሉ ኺስንጥቕኣዝዩ ዓብዪ ሽንጭሮውን ኪኸውን እዩ፣ ፍርቂ እቲ ኸረን ናብ ሰሜንፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ኪዘብል እዩ። ሽንጭሮ እቲ ኣኽራን ክሳዕ ኣጸል ኪበጽሕ ኣዩ እሞ፣ ንስኻትኩም በቲ ሽንጭሮ ኣኽራነይ ክትሀድሙ ኢኹም። ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይህዳ ኻብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዝሀደምኩምክትሀድሙ ኢኹም። እግዚኣሄር ኣምላኸይ ኪመጽእ እዩ፣ ኵላቶም ቅዱሳን ከኣ ምሳኻ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ብርሃንሲ ድነ ኪኸውን እዩ እምበር፣ ነጸብራቕ ኣይኬብርህን እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር እተፈልጠት ሓንቲ መዕልቲውን ትኸውን፣ መዕልቲ ወይስ ለይቲ ኣይኰነን፣ ግናኸ ኣጋ ምሸት ብርሀን ኪኸውን እዩ። በታ መዕልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ህያው ማያት ካብ የሩሳሌም፣ ፈረቓኡ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፣ ፈረቓኡ ኸኣ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኺወጽእ እዩ፣ ብሓጋይን ብኽረምትን ኪህሉ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ ኺነግስ እዩ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ሓደስሙውን ሓደ ኪኸውን እዩ። ኵላ እታ ሃገር ካብ ጌባዕ ክሳዕ ሪሞን ደቡብ የሩሳሌም ናብ ጐልጐል ክትልወጥ እያ። የሩሳሌም ከኣ ልዕል ክትብል፣ ካብ ደገ ብንያም ክሳዕ እቲ ቦታ ቐዳመይቲ ደገ፣ ክሳዕ ደገ ዅርናዕ፣ ካብ ግምቢ ሃናንኤል ድማ ክሳዕ መጽመቝ ንጉስ ኣብ ቦታኣ ኽትነብር እያ። ኣብኣ ኺነብሩ እዮም፣ ድሕርዚ ድማ መርገም ኣይኪኸውንን እዩ፣ የሩሳሌምውን ሀዲኣ ኽትነብር እያ። እዚ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ንየሩሳሌም ዚወግእዋ ዅላቶም ህዝብታት ዝወቕዓሉ መዓት እዩ፣ በእጋሮም ደው ኢሎም ከለዉ ስጋኦም ኪምሽምሽ እዩ፣ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን ኪምሽምሻ እየን፣ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ። በታ መዓልቲ ኸኣ ኪኸውን እዩ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ ዕግርግር ኬተንስኣሎም እትዩ። ንሳቶም ድማ ኢድ ሓድሕዶም ኪተሓሐዙ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ብጻዩ ኺልዐል እዩ። ይሁዳ ድማ ንየሩሳሌም ኪዋግኣ እዩ፣ ሃብቲ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብኣዛዩ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን፣ ኪድለብ እዩ። ከምኡውን እታ ንፈረስን ንበቕልን ንገመልን ንኣድግን ነቶም ኣብቲ ሰፈር ዘለዉ ዅላቶም እንስሳን እትወቅዕ መዓት ከምዛ መኦኣት እዚኣ ኽትከውን እያ። ክኸውን ድማ እዩ፣ ካብቶም ኣንጻር የሩሳሌም መጺኦም ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ ዝተረፉ ዘበሉ ዅላቶም ንንጉስንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪሰግዱን በዓል ዳስ ኬብዕሉን ኣብ ዐዓመት ኪድይቡ እዮም። ኪከውን ድማ እዩ፡ ገለ ኻብዞም ዓሌት ምድሪ ነቲ ንጉስንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትኪሰግዱሉ፡ ናብ የሩሳሌም እንተ ዘይደየቡ፡ ኣብኦም ዝናም ኣይኪዘንምን እዩ። ዓሌት ግብጺ እንተ ዘይደየቡን ዘይመጹን ከኣ ናብ ኦምውን ኣይኪዘንምን እዩ። እዚ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይድይቡ ኣህዛብ ዚቐጽዓሉ መዓት እዩ። እዚ እቲ ቕጽዓት ግብጽን ቅጽዓት እቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይድይቡ ዅላቶም ኣህዛብን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጽል ኣፍራስቅዱስ ንእግዚኣብሄር፡ ዚብል ኪጽሐፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ድስትታትን ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሓሊባት ኪኸውን እዩ። ድስቲ ዘበለ ዅሉ ኣብ የሩሌምን ኣብ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪቕደስ እዩ። እቶም መስዋእቲ ዚስዋኡ ዅላቶም ከኣ ኪመጹ እዮም እሞ ካብኡ ወሲዶም ኣብኡ ኬብስሉ እዮም። በታ መዕልቲ እቲኣ ድማ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከነኣናዊ ከቶ ኣይኪህሉን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 21:25 | 2 Helpful votes

ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ።

Translation | Context
ቲቶስ 1:2 | 2 Helpful votes

በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት

Translation | Context
ዮኤል 3:12-14 | 2 Helpful votes

ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ክፈርድሲ፣ ኣብኣ ክቕመጥ እየ እሞ፣ እቶም ህዝብታት ይበገሱ፣ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ይውጽኡእከዮም ስለ ዝዐበየቀውዒ በጺሑ እዩ እሞ፣ ማዕጺድ ስደዱ፣ እቲ መጽመቝ መሊኡ፣ ኣጋንእ ከኣ ይጅርብብ አሎ እሞ፣ ንዑ ርገጹ። መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ለሰ ምምዳብ ቀሪባ እያ እሞ፣ ጭፍራ፣ ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ።

Translation | Context