Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፡ ንሕና መሬት ኢና፡ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፡ ኲልናውን ግብሪ ኢድካ ኢና።
Translation | Contextንኣታቶም ኵሉ ዕዮ ብልሓትን ምቕራጽን ንምዕያይ፡ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ከኣ ብብልሓት ንምእላምን ንምጥላፍን ንዕዮ ማእለማን ኵሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምሕሳብን ብጥበባት ልቢ መልኦም።
Translation | Contextሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ርኣዩ፡ እግዚኣብሄር ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሁር ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ብስሙ ጸውዖ። ንእኡ ድማ ብመንፈስ ኣምላኽ መልኦ፡ ብጥበብን ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ብዅሉ ዕዮን፡ ንምሕሳብ ብልሓት፡ ብወርቅን ብብሩርን፡ በስራዝን ንምዕያይ፡ ዚዛነቕ ኣእማን ንምውቃርን ንምጽራብ ዕጨይትን፡ ኵሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምዕያይ፡ ንእኡን ንኦሆልያብ፡ ወዲ ኣሂሳማክ ካብ ነገድ ዳንን፡ ኪምህሩ ኣብ ልቦም ሀቦም። ንኣታቶም ኵሉ ዕዮ ብልሓትን ምቕራጽን ንምዕያይ፡ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ከኣ ብብልሓት ንምእላምን ንምጥላፍን ንዕዮ ማእለማን ኵሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምሕሳብን ብጥበባት ልቢ መልኦም።
Translation | Contextጥበበኛ ልቢ ዘለወን ኵለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለን፡ እቲ ዝፈተላኦ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ኣምጽኣኦ።
Translation | Contextንሱ ወዲ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ካብ ኣዋልድ ዳን፡ እዩ፡ ኣቦኡ ኸኣ ጢሮሳዊ ሰብኣይ ነበረ። ብዕዮ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ሓጺንን እምንን ዕንጨይትን ሕብሪ ደምን ሰማያዊ ልሕጺ እንጣጢዕን ጽሩይ ቀይሕን ምዕያይ፡ ኩሉ ዓይነት ቅርጺታት ድማ ምቕራጽ ዚፈልጥ፡ ኲሉ ዓይነት ብልሓት ስራሕውን ኪሐስብ ዚኽእል እዩ። ንእኡ ምስ ብልህታትካን ምስ ናይ ኣቦኻ ጐይታይ ዳዊት ብልህታትን ሕብረት ይወሀቦ።
Translation | Contextዳዊት ድማ ነቶም ሓላቑ ሌዋውያን ነሕዋቶም መዘምራን ብመሳርያ መዚክ፡ ብመሰንቆን፡ ብበገናን ብጸናጽልን ተሐጒሶም እናቓነዩን ድምጾም ዓው እናበሉን ኣብኡ ኬቚምዎም ተዛረቦም።
Translation | Contextንስኻ ድማ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእክዎም፡ ብልቦም ፈላጣት ዝዀኑ ዅሎም ንኣሮን፡ ካህነይ ንምዃን ኪቕደስ፡ ኣልባስ ኪገብሩሉ ንገሮም።
Translation | Contextእንሆ፡ ኣነ ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሁር፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ብስሙ ጸዊዔዮ አሎኹ። ንጥበብን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንዅሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሐስብ፡ ንምዝናቕ ዚኸውን ኣእማን ኪቐርጽ፡ ዕጨይቲውን ንምጽራብ፡ ኵሉ ዕዮ ንምግባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ አሎኹ። እንሆ ኸኣ፡ ንኦሆልያብ ወዲ ኣሒሳማክ፡ ካብ ነገድ ዳን፡ ምስኡ ገይረዮ አሎኹ። እቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ምእንቲ ኺገብሩ ኸኣ፡ ኣብ ልቢ ዅሎም ብልሓታኛታት ጥበብ ኣንቢረ አሎኹ። ድንኳን ምርኻብን ታቦት ምስክርን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መኽደን መትዓረቕን ኵሉ ኣቓሑ ድንኳንን፡ ሰደቓን ኣቓሑኡን እቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቓሑኡን መሰውኢ ዕጣን ከኣ፡ መሰውኢ ምሕራርን ኵሉ ኣቓሑኡን እቲ ገበራ ኸኣ ምስናይ ኣጋሮኡ፡ ኣልባስ ኣገልግሎትን ቅዱስ ኣልባስ ድማ ንኣሮን ካህንን ንደቁን ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኣልባስ፡ ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ንመቕደስ ዚኸውን ምኡዝ ዕጣንን፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ይግበርዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንስኻ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኽትፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ንውሉድ ወለዶኹም መፈለጥታ እየን እሞ፡ ስናብተይ ኣጸቢቕኩም ሐልዉ። ንኣኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፡ ንሰንበት ሐልውዋ። ብእኣ ገለ ዕዮ ዚዐዪ ዅሉ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ እሞ፡ እቲ ዘርክሳ ሞት ይሙት።
Translation | Contextንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንሒራም ካብ ጢሮስ ኣምጽኦ። ንሱ ወዲ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኻብ ነገድ ንፍታሌም ነበረ። ኣቦኡ ኸኣ ብዓል ጢሮስ፡ ኣንጠረኛ ኣስራዚ ነበረ። ንሱ ድማ ኲሉ ስራሕ ኣስራዚ ንምግባር ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን መሊእዎ ነበረ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መጺኡ ኸኣ፡ ዕዮኡ ዘበለ ገበረሉ። ንሱ ድማ ነቲ ዓሰርተው ሾሞንተ እመት ዝቚመቱ ኽልተ ዓንዲ እስራዚ ሰርሔ። ነናይ ሓደ ዓንዲ ዙርያ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ እመት ዝምንዋሁ ገመድ ገበረ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ኪንበር ድማ ካብ ዝፈሰሰ ኣስራዚ ኽልተ ጒልላት ሰርሔ። ቊመት እቲ ሓደ ጒልላት ሓሙሽተ እመት፡ ቊመት እቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ። ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ድማ ከም ስራሕ መንፊት ዝበለ ዓይነ ርግብን ከም ስራሕ ሰንሰለት ዝበለ ትትዖን ነበሮ፡ ነቲ ሓደ ጒልላት ሾብዓተ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ሾብዓተ ነበሮ፡ ነቲ ኣዕኑድ ምስ ገበረ ድማ፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ኪኸድን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን ገበረ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላትውን ከምኡ ገበሮ። እቲ ኣብ ገበላ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን መሲሉ እተሰርሄ፡ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ኣዕኑድ ድማ ምስቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓይነ ርግቢ ዘሎ ኸብዲ ዝገጠመ ጒልላት ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ኣብ ዙርያኡ በብመስሮ ክልተ ሚእቲ ሮማን ነበረ። ነቲ ኣዕኑድ ድማ ኣብ ገበላ እቲ መቕደስ ኣቘሞ። ነቲ የማናይ ዓንዲ ተኺሉ ኸኣ ስሙ ያኪን ኣውጽኣሉ፡ ነቲ ጸጋማይ ዕንዲ ድማ ስሙ ቦዓዝ ኣውጽኣሉ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን ዝበለ ስራሕ ነበረ። በዚ ኸምዚ ዕዮ እቲ ኣዕኑድ ተፈጸመ፡ ናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሔ፡ ቊመቱ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ፡ ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍሩ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ወሰን ከኣ ብዙርያኡ ኣጒማ ኣዞረሉ፡ ብዙርያ እቲ ባሕሪ በብእመት ዓሰርተ ዀይኑ ይኸቦ ነበረ፡ እቲ ኣጒማ ኽልቲ መስርዕ ኰይኑ ምስኡ ብሓደ ፈሰሰ። ኣብ ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ተነብረ፡ ሰለስተ ንሰሜን ገጾም፡ ሰለስተ ድማ ንምዕራብ ገጾም፡ ሰለስተ ኸኣ ንደቡብ ገጾም፡ ሰለስተውን ንምብራቕ ገጾም ነበሩ። እቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። ናይ ኲሎም ድሕሪት ከኣ ንውሽጢ ኣቢሉ ነበረ። ምርጓዱ ድማ ጋት ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራህ ወሰን ጽዋእ ከም ዝዐምበበ ሹሻን ነበር። ክልተ ሽሕ ባት ይሕዝ ነበረ። ናይ ኣስራዚ ሰረት ከኣ ዓሰርተ ገበረ፡ ሓደ ሰረት ድማ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ቊመቱውን ሰለስተ እመት ነበረ። ኣሰራርሓ እቲ ሰረታት ድማ ከምዚ ነበረ፡ ክቡሳት ነበሮ፡ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ከኣ ክቡሳት ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ዝነበረ ኽቡሳት ድማ ኣናብስን ኣብዑርን ኪሩቤልን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጋጠሚታት ከኣ ኣብ ላዕላዩ ኸምኡ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ኣናብስን ኣብዑርን ድማ ከም ትትዖ እተገብረ ቘጽሊ ተንጠልጢሉ ነበረ። ንንሓደ ሰረት ከኣ ኣርባዕተ መንኰርኰር ኣስራዚ፡ ንእኡ ዚሕዝ ኣርዑት ኣስራዚ ድማ ነበሮ። ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ኸኣ መናኲብ ነበሮ፡ እቲ መናኵብ ምስቲ ኣብ ወወገኑ ዝነበረ ትትዖ ቘጽሊ ኣብ ትሕቲ እቲ ገበራ ዝፈሰሰ ነበረ። ኣፉ ድማ ብውሽጢ እቲ ጒልላት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሓደ እመት ነበረ፡ እቲ ኣፉ ኸኣ ከቢብ ከም ስራሕ እግሪ ዓንዲ፡ እመትን ፈረቓን ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣፉ ድማ ቅርጽታት ነበሮ፡ ክቡሳቱ ኸኣ ኣርባዕተ ጥርዚ ነበረ እምበር፡ ከቢብ ኣይነበረን። እቲ ኣርባዕተ መንኰርኰር ድማ ብትሕቲ እቲ ኽቡሳት ነበረ፡ መትሓዝ መንኰራዂር ከኣ ኣብቲ መቐመጢ ለጊቡ ነበረ፡ ነናይ ሓደ መንኰርኰ ቊመትውን እመትን ስድርን ነበረ። ስራሕ እቲ መንኰራዂር ድማ ከም ስራሕ መንኰርኰር ሰረገላ ነበረ፡ መትሓዚኡን ዕንክሊሉን ቅትርቱን ሕምብርቱን ኲሉ ፍሲ ነበረ። ነንሓደ ሰረት ከኣ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣርባዕተ መንኲብ ነበሮ፡ እቲ መንኲብ ምስቲ ሰረት ብሓደ ነበረ። ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ድማ ብዙርያኡ ፈረቓ እመት ዝቚመቱ ኸቢብ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ከኣ እቲ መደገፊታቱን ክቡሳቱን ምስኡ ሓደ ነበረ። ኣብ ገጽ እቲ መደገፊታቱን ኣብ ክቡሳቱን ከከም ስፍራኡ ብዙርያኡ ኪሩቤልን ኣናብስን ስየን ምስትትዖ ቘጽልን ቀረጸሉ። ከምዚ ነቲ ዓሰርተ መቐመጢ፡ ንዂሉ ምፍሳሱ ሓደ፡ ልክዑ ሓደ፡ መልክዑ ሓደ ገይሩ መርሖ። ዕሰርተ ገበራ ኣስራዚ ድማ ሰርሔ፡ ሓደ ገበራ ኣርብዓ ባት ይሕዝ ነበረ፡ እቲ ገበራታት ሓሓዲኡ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ነቲ ዓሰርተ ሰረት፡ ነንሓደ ሰረት ሓደ ገበራ ነበሮ። ነቲ ሰረታት ድማ ሓሙሽተ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ሓሙሽተ ኸኣ ብወገን ጸጋም እታ ቤት ኣንበሮ፡ ነቲ ባሕሪ ድማ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ብምብራቕ ደቡብ ኣንበሮ። ሒራም ከኣ ገበራታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን ሰርሔ። በዚ ኸምዚ ሒራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ዂሉ ዕዮ ፈጸሞ፡ ነቲ ኽልተ ዓንድን ናይቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጒልላት ከበብትን፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ናይ ጒልላት ከበብቲ ዚኸድን ክልተ ክልተ ዓይነ ርግብን፡ ናይቲ ኽልተ ዓይነ ርግቢ ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኽልተ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት፡ ነቲ ኸበብቱ ዚኸድን ነንሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን፡ ድማ ነቲ ዓሰርተ ሰረትን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰረታት ዘሎ ዓሰርተ ገበራን፡ ነቲ ሓደ ባሕርን ነቶም ትሕቲ እቲ ባሕሪ ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን። ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን፡ እዚ ዂሉ ሒራም ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ኣቓሑ ኻብ ጽሩይ ኣስራዚ ነበረ። እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኰትን ጻርታን፡ ኣብ መሬት ጥዑም ኣፍሰሶ። ሰሎሞን ድማ ንዂሉ ኣቓሑ ኻብ ኣዝዩ ምብዛሑ እተላዕለ ኸይመዘነ ሓደሆ፡ ሚዛን እቲ ኣስራዚ ኸኣ ኣይተመርመረን። ሰሎሞን ከኣ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ዂሉ ኣቓሑ ሰርሔ፡ ናይ ወርቂ መሰውእን፡ ነቲ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ልዕሊኡ ዚንበሮ ሰደቓ ወርቅን፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ዘሎ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ቐዋሚ ቐነዲል፡ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም፡ ነቲ ናይ ወርቂ ዕምባባታትን ቅልዒ ቐነዲልን መሳቐይታትን ከኣ፡ ነቲ ናይ ጽሩይ ወርቂ ጽዋኣትን ካራታትን ጭሔሎታትን ማንካታትን ጽንሃታትን ድማ፡ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ቤት፡ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓጹን፡ ናይ መቕደስ መዓጹን ወንድወንዶታት ወርቂ ኸኣ ሰርሔ። እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝዐየዮ ዂሉ ዕዮ ኸኣ ተወድኤ። ሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝቐደሶ፡ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ነቲ ኣቓሑን ኣምጺኡ ኣብ መዛግብ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ።
Translation | Contextእንሆ፡ ኣነ ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሁር፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ብስሙ ጸዊዔዮ አሎኹ። ንጥበብን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንዅሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሐስብ፡ ንምዝናቕ ዚኸውን ኣእማን ኪቐርጽ፡ ዕጨይቲውን ንምጽራብ፡ ኵሉ ዕዮ ንምግባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ አሎኹ። እንሆ ኸኣ፡ ንኦሆልያብ ወዲ ኣሒሳማክ፡ ካብ ነገድ ዳን፡ ምስኡ ገይረዮ አሎኹ። እቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ምእንቲ ኺገብሩ ኸኣ፡ ኣብ ልቢ ዅሎም ብልሓታኛታት ጥበብ ኣንቢረ አሎኹ። ድንኳን ምርኻብን ታቦት ምስክርን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መኽደን መትዓረቕን ኵሉ ኣቓሑ ድንኳንን፡ ሰደቓን ኣቓሑኡን እቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቓሑኡን መሰውኢ ዕጣን ከኣ፡ መሰውኢ ምሕራርን ኵሉ ኣቓሑኡን እቲ ገበራ ኸኣ ምስናይ ኣጋሮኡ፡
Translation | Contextኰነ ድማ ምስ አተዉ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮን ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላ ወጻ።
Translation | Contextበዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።
Translation | Contextንዅሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።
Translation | Contextከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን።
Translation | Context