Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
ክምካሕ ዘይጠቕመኒ ኽነሱስ፡ ብግዲ የድልየኒ እዩ፡ ሕጂ ግና ናብ ራእየይ ናብ ምግላጽ ጐይታና እሐልፍ አሎኹ። ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ አሎኹ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡ ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ።
Translation | Contextወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን።
Translation | Contextኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፣ እግዚኣብሄር ከኣ ብመንፈስ ኣውጽኣኒ፣ ኣብ ማእከል እታ ጐልጐል ድማ ኣንበረኒ፣ ንሳውን ዓጻጽምቲ መሊእዋ ነበረ። ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብቲ ዝባን ጐልጐል ኣዝዩ ብዙሕ ነበረ፣ እንሆውን፣ ኣዝዩ ንቑጽ ነበረ። ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ዓጻጽምቲ እዝስ ህያውዶ ኪኸውን እዩ፧ በለኒ። ኣነ ድማ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ ኢለ መለስኩ። ንሱ ኸኣ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ተነበ፣ ኣቱም ንቑጻት ዓጻጽምቲ፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ በለኒ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዚ ዓጻጽምቲ እዚ ኸምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ንስኻትኩም ከኣ ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። ጅማውቲውን ኸንብረልኩም፣ ስጋ ኽገብረልኩም፣ ብቘርበት ክኸድነኩም፣ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። ከምቲ እተአዘዝክዎ ኸኣ ተነቤኹ። ክንበ ኸሎኹ ድማ ደሃይ ኰነ፣ እንሆ ኸኣ፣ ፍኒሕኒሕ ኰነ፣ እቲ ዓጻጽምቲውን ዓጽሚ ኣብ ዓጽሙ ተቓራረበ። እንሆ ኸኣ፣ ጅማውትን ስጋን ኪወጾም፣ ቈርበት ድማ ኪኸድኖም ርኤኹ፣ ትንፋስ ግና ኣይነበሮምን። ሽዑ ንሱ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ተነበ፣ ንንፋስ ተነበየሉ፣ ንንፋስ ከኣ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣታ ትንፋስ፣ እዞም ህያዋን ህያዋን ኪዀኑስ፣ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ንዓ እሞ ኣብኦም ንፈስ፣ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮ፣ በለኒ። ኣነ ኸኣ ኸምቲ ዝአዘዘኒ ተነቤኹ፣ ትንፋስ ድማ ኣተዎም። ህያዋን ኰኑ፣ በእጋሮም ከኣ ቘሙ፣ ኣዝዩ ዓብዪ ጭፍራ ነበሩ። ሽዑ ንሱ በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ዅላ ቤት እስራኤል እዮም። እንሆ፣ ንሳቶም፣ ዓጻጽምትና ነቐጸ፣ ተስፋና ተቐብጻ፣ ንሕና ጠፊእና ኢና፣ ይብል አለዉ። ስለዝ ተነበ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት፣ ኣቱም ህዝበይ፣ ካብ መቓብራትኩም ድማ ከውጽኣኩም፣ ናብ ሃገር እስራኤልውን ከእትወክም እየ። ኣቱም ህዝበይ፣ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፣ ካብ መቕባራትኩም ከኣ ምስ ኣውጽእኩኹም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። መንፈሰይ ከሕድረልኩም እየ፣ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ናብ ሃገርኩም ድማ ከንብረኩም እየ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩን ከም ዝገበርክዎን ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextድሪ ብሩር ከየተበትከ፡ ፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐ፡ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረ፡ መዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐ፡
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡
Translation | Contextንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን።
Translation | Context