Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም።
Translation | Contextሽዑ እቶም ጠቡባን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ፈለጥትን መጹ፣ ነቲ ሕልሚ ኸኣ ኣብ ቅድሚኦም ተዛረብኩ፣ ንሳቶም ግና ትርጓሜኡ ኣየፍለጡንን።
Translation | Contextጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኲሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፡ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፡ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹን፡ ንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን።
Translation | Contextብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶም፡ ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ።
Translation | Contextናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰ።
Translation | Contextምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፡ ምናልባሽ እንተ ኣሰምበደክስ፡ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ ዝጸዐርክሉ ጥንቈላን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ፡ ቕረቢ። ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶም፡ ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ። ዕድል እቶም ዝጸዐርክሎም ከምዚ ኪኸውን እዩ። እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም መናግድትኺ ዝነበሩ መመገዶም ጸው ኪብሉ እዮም፡ ሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ። ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ።
Translation | Contextኣብ ማእከልካ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ደጌታትካ ኺዳኑ ብምፍራሱ፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽፉእ ዚገብር እንተ ተረኽበ፡ ከይዶም ከኣ ንዘይኣዘዝክዎ ኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ እንተ ኣምለኽዎምን እንተ ሰገዱሎምን፡ እዚ እንተ ነገሩኻ እሞ እንተ ሰማዕካ፡ ኣጸቢቕካ መርምር፡ ከምዚ ዝበለ ጽያፍ ኣብ እስራኤል ከም እተገብረ፡ ነገሩ ርግጽ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ሽዑ ነቲ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ናብ ደጌታትካ ኣውጽኣዮ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ወይ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ኺሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተሎም።
Translation | Contextብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ።
Translation | Contextዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰ። ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፣ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመንሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዪ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፣
Translation | Contextካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፣ ጠንቈልቲ ኸኣ ኣይኪህልዉካን እዮም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ።
Translation | Contextኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ።
Translation | Contextምስናይ ደም ገለ እኳ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቊሉን ኣይተማርቱን።
Translation | Context