Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካ። ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ። ሰብዶ ሓዊ ሐቝፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፡ ኣብ ሎዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸ፡ ኣእጋሩዶ ኣይሐርርን እዩ፡
Translation | Contextስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን። ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ።
Translation | Contextፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።
Translation | Contextብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ። ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።
Translation | Contextነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።
Translation | Context