Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።
Translation | Contextኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።
Translation | Contextእቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።
Translation | Contextበረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።
Translation | Contextእተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።
Translation | Contextእምብኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ።
Translation | Contextእቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም።
Translation | Contextንኣካትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ።
Translation | Contextጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።
Translation | Contextኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።
Translation | Contextጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።
Translation | Contextጴጥሮስ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢቲንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕሩያት፡ ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ ንምእዛዝን ብደም የሱስ ክርስቶስን ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ። እቲ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፡ ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም። እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም። ነዚ ኸይርኤኩምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም። እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን፡ እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብስቓይ ክርስቶስ በቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ቀዲሙ ኸም ዝመስከረ፡ ነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘመን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡ ንኣኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። እዚውን በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፡ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግርልኩም፡ መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም። ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ።
Translation | Contextግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሐጐሱ።
Translation | Contextእቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ።
Translation | Contextዘንጊ ዚመስል ሻምብቆ ኸኣ ተዋህበኒ፡ ሓደ ድማ፡ ተንስእ እሞ ነታ መቕደስ ኣምላኽን መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዚሰግዱን ስፈር፡ በለኒ። እቲ ብወጻኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ ግና ነህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ ኣይትስፈሮውን፡ ነታ ቅድስቲ ኸተማ ኸኣ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኺረግጽዋ እዮም። ነቶም ክልተ ምስክረይውን፡ ወጮ ተወንዚፎም፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺንበዩ ኽህቦም እየ። እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዚቘሙ ኽልተ ኣዋልዕን ክልተ ቐወምቲ ቐንዴልን እዮም። ሓደ እኳ ኺጎድኦም እንተ ደለየ ድማ፡ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወጽእ እሞ ንጸላእቶም ይበልዖም። ሓደ እኳ ኺጎድኦም እንተ ደለየ ኸኣ፡ ከምኡ ኪቕተል ይግብኦ እዩ። እዚኣቶም በተን መዓልትታት ትንቢቶም ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም ንሰማይ ኪዐጽውዎ ስልጣን አለዎም። ናብ ደም ክልውጥዎ ኣብ ልዕሊ ማያትን ንምድሪ ብዝደለይዎ መጠን ብመዓት ዘበለ ኪቐዝፍዋን ስልጣን አለዎም። ምስክሮም ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ እቲ ኻብ መዓሙቝ ዚወጽእ ኣራዊት ምሳታቶም ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ኪቐትሎምን እዩ። ሬሳታቶም ከኣ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም እተሰቕለላ፡ ብመንፈሳዊ ሓሳብ ከኣ ሰዶምን ግብጽን እትብሀል ዓባይ ከተማ ኺተርፍ እዩ። ሰብ ድማ ካብ ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ነቲ ሬሳታቶም ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ይርእዩዎም፡ ነቲ ሬሳታቶምሲ ኣብ መቓብር ኪንበር ኣይፈቕዱን እዮም። እዞም ክልተ ነብያት እዚኦም ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የሰቅቕዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብኣታቶም ይሕጐሱ ባህውን ይብሎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ውህበት ኪሰዱ እዮም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲን ፈረቓን ድማ መንፈስ ህይወት ካብ ኣምላኽ ኣተዎም፡ በእጋሮም ውን ቈሙ፡ ነቶም ዝጠመትዎም ከኣ ብርቱዕ ፍርሃት ወደቖም እሞ፡ ነጀው ደይቡ፡ ዚብሎም ዓብዪ ድምጺ ኻብ ሰማይ ሰምዑ። ብደበና ድማ ናብ ሰማይ ደየቡ እሞ እቶም ጸላእቶም ጠመትዎም። በታ ሰዓት እቲኣ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ወደቐ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ሾብዓተ ሽሕ ሰባት ተቐትሉ፡ ነቶም ዝተረፉ ድማ ፍርሃት ሐዞም ንኣምላኽ ሰማይውን ክብሪ ሀብዎ። እቲ ኻልኣይ ወዮ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ እቲ ሳልሳይ ወዮ ቐልጢፉ ይመጽእ አሎ። እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኮይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ፡ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ። እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ከኣ፡ ዎ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወስድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ አሎና፡ እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንኣምላኽ ሰገዱ። ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቍጥዓኻውን መጺኡ፡ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፡ ንባሮትካ፡ ነቶም ነብያትን ቅዱሳትን ስምካ ንዚፈርሁ ናእሽቱን ዓበይትን፡ ዓስቦም እትህበሉ፡ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ፡ በሉ። እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፡ ኣብታ መቕደሱውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዓብዪ በረድን ድማ ዀነ።
Translation | Context