Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

barren women


ኢሳይያስ 54:1-17 | 16 Helpful votes

ካብ ደቂ እታ ምርዕውቲስ ደቂ እታ በይና ዘላ ኺበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይወለድኪ መኻንእልል በሊ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዐርኪ፡ ዓው ኢልኪ ብደስታ ጨድሪይብል እግዚኣብሄር። ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ፡ ዘርእኺ ነህዛብ ኪወርሶም፡ ነተን ዝዐነዋ ኸተማታት ከኣ፡ ሰብ ከም ዚነብረለን ኪገብረን እዩ እሞ፡ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ፡ እቲ መጋረጃታት ማሕደርኺ ብዘይ ምቚጣብ ይገተርኣግማድኪ ኣንውሒመታኽልኪውን ኣጽንዒፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ። ከምታ መንፈሳ ዝጐሀየ ፍትሕቲ ሰበይቲ፡ ከምታ ሕድግቲ ንእሽቶ መርዓትእግዚኣብሄር ጸውዓኪይብል ኣምላኽኪንሓጻር ጊዜ ሐደግኩኺብዓብዪ ምሕረት ግና ኽእክበኪ እየ። ብምፍሳስ ቊጥዓ ንቕጽበት ዓይኒ ገጸይ ከወልኩልኪብዘለኣለማዊ ምሕረት ግና ክርሕርሓልኪ እየ፡ ይብል እቲ ተበጃዊኺ ኣምላኽ። እዚ ንኣይ ከምቲ ማያት ኖህ እዩ እሞ፡ ማያት ኖህ ኣብ ምድሪ መሊሱ ኸይውሕዝ ከም ዝመሐልኩ፡ ከምኡውን ከይቊጥዓክን ከይገንሓክን እምሕል አሎኹ። ስለዚ ኣኽራን እኳ እንተ ዘበሉኰረቢትውን ነነይ እንተ በሉ፡ ምሕረተይሲ ኻባኺ ኣይኪዘብልንኪዳን ሰላመይ ድማ ነነይ ኣይኪብልን እዩ፡ ይብል እቲ ዚርሕርሓልኪ እግዚኣብሄር። ኣቲ ህቦብላ ዝደፍኣኪ፡ ዘይተጸናናዕኪ፡ ሕዝንቲ፡ እንሆ፡ ነእማንኪ ሰሊመ ኽነድቆብሰጲሮስ ከኣ ክስርተኪ፡ ጒልላት ግምብኺ ብሮቢኖስ፡ ደጌታትኪ ብህያክንቶስ፡ መካበብያኺ ዂሉ ድማ ብኽቡር እምኒ ኽገብሮ እየ። ኲላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። ብጽድቂ ኽትጸንዒ ኢኺ። እትፈርህዮ የብልክን እሞ፡ ካብ ግፍዒ ርሐቒ። ስምባድ ኣይኪቐርበክን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሐቒ። እንሆ፡ ካባይ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ሐቢሮም ይተኣኻኸቡ ኣለው፡ ዝዀነ እንተ ዀነ እቶም ኪጻረሩኺ ዚሳማምዑ ዂሎም ኣብ ቅድሜኺ ኺወድቁ እዮም። እንሆ፡ ነቲ ንሕመት ነፊሑ ዜጒህሮ መሳርያ ዕዮኡ ኸኣ ዚገብር ኣንጠረኛ ኣነ እየ ዝፈጠርክዎ። ኣነውን እየ ነቲ መጥፍኢኬብርስ ኢለ፡ ዝፈጠርክዎ። ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኲሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄርጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
መዝሙር 113:9 | 14 Helpful votes

ንመኻንአደ ቘልዑ ገይሩ፣ ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራሃሌሉያ

Translation | Context
ሉቃስ 23:29 | 7 Helpful votes

የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፥ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሃባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትንዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ

Translation | Context
መዝሙር 128:3-6 | 5 Helpful votes

ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም። እንሆንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኺባረኽ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ኪባርኸካ፣ ኵለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ ሰናይ የሩሳሌም ክትርኢ ኢኻ። ደቂ ደቅኻውን ክትርኢ ኢኻ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።

Translation | Context
እብራውያን 11:11 | 5 Helpful votes

ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት

Translation | Context
ዘፍጥረት 25:21 | 5 Helpful votes

ይስሃቅ ድማ፡ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ፡ ምእንትኣ ንእግዚኣብሄር ለመነእግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት

Translation | Context
መዝሙር 127:3-5 | 4 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡኣይሐፍሩን እዮም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 17:15-16 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃምንሰበይትኻ ሳራይ ስማ ሳራ ደኣ እዩ እምበር፡ ስማ ሳራይ ኢልካ ኣይትጸውዓያክባርኻ እየ፡ ካብኣ ድማ ወዲ ኽህበካ እየ፡ ክባርኻ እየ። ህዝብታት ከኣ ክትከውን እያ፡ ነገስታት ህዝብታት እኳ ደኣ ኻብኣ ኪዀኑ እዮም፡ በሎ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:7 | 2 Helpful votes

ኤልሳቤጥ መኻን ነበረት እሞ፡ ውሉድ ኣይነበሮምን፡ ክልቲኦም ድማ ዕለቶም ዝሐለፈ ኣረገውቲ ነበሩ

Translation | Context
ዘጸአት 23:26 | 2 Helpful votes

ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብንፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 25:21-22 | 2 Helpful votes

ይስሃቅ ድማ፡ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ፡ ምእንትኣ ንእግዚኣብሄር ለመነእግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት። እቶም ቈልዑ ኸኣ ኣብ ማሕጸና ይዳፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ፡ ከምዚ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ንምንታይ እነብር አሎኹ፧ በለትንእግዚኣብሄር ክትሓትት ድማ ኸደት

Translation | Context
ዘፍጥረት 30:1 | 2 Helpful votes

ራሄል ድማ ንያእቆብ ከምዘይወለደትሉ ምስ ረአየትንሓብታ ቐንኣትላ፡ ንያእቆብ ከኣ፡ ውሉድ ሀበኒእንተ ዘይኰነስ እመውት አሎኹ፡ በለቶ

Translation | Context
ዘፍጥረት 29:31 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ ልያ ኸም እተጸልኤት ርእዩማሕጸና ኸፈተላራሄል ግና መኻን ነበረት

Translation | Context
ኢሳይያስ 56:1-12 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልምድሓነይ ኪመጽእጽድቀይ ድማ ኪግለጽ ቀረባ እዩ እሞ፡ ፍርዲ ሐልው ጽድቂውን ግበሩ። እቲ ነዚ ዚገብር ሰብ፡ ብእኡ ዚጸንዕ፡ ንሰንበት ከየርክስ ድማ ዚጥንቀቕእከይ ከይገብርውን ኢዱ ዚሕሉ ወዲ ሰብ ብጹእ እዩ። እቲ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ዝገበረ መጻእተኛ፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኺፈልየኒ እዩ፡ ኣይበል። እቲ ስሉብ ድማ፡ እንሆ፡ ንቑጽ ኦም እየ፡ ኣይበል። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነቶም ሰናብተይ ዚሕልው፡ ንኣይ ዜሐጒስ ዚሐርዩኪዳነይ ድማ ዜጽንዑ ስሉባት፡ ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፡ ካብ ኣውዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ። ነቶም ምእንቲ ኼገልግልዎንስም እግዚኣብሄር ኬፍቅሩባሮቱ ኪዀኑ ኢሎም ምስ እግዚኣብሄር ዝሐበሩ መጻእተኛታት፡ ሰንበት ከየፍርሱ ዚጥንቀቑኪዳነይውን ዜጽንዑ ዂላቶም፡ ቤተይሲ ንዂሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ ኣሞ፡ ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡ ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጒሶም እየ፡ ዚሐርር መስዋእትታቶምን መስዋእትታት ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ። እቲ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ እስራኤል ዚኣኻኽብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም እኩባቱ ካልኦትውን ክእክብ እየ፡ ይብል አሎ። ኣቱም ኣራዊት መሮር ኲላትኩም፡ ኣቱም ኣራዊት ዱር ኲላትኩም፡ ክትበልዑ ንዑሐለውቱ ዕውራት እዮም፡ ኲላቶም ኣእምሮ የብሎምን፡ ኲላቶም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፡ ይሐልሙ፡ በጥ ይብሉ፡ ድቃስ ይፈትው ኣለው። ህሩፋት ኣኽላባት ከቶ ዘይጸግቡ እዮም፡ እዚኣቶም ሓንቲ እኳ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕራይ ረብሓ ርእሱ ደለየ፡ ኲሎም ናብ መመገዶም ዘምበሉ። ወይኒ ኸምጽእ እየ እሞ ንዑ፡ ብርቱዕ መስተ ሰቲና ንስከር፡ ጽባሕ ድማ ከምዚ ናይ ሎሚ፡ ኤረ ኣዝዩ ዝበለጸ እኳ ደኣ ኪኸውን እዩ፡ ይብሉ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:10 | 2 Helpful votes

ንሳ ድማ ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፡

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 2 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 21:1-3 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ በጽሓ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላሳራ ድማ ጠነሰትበቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉኣብርሃም ድማ ነቲ እተወልደሉ ወዱሳራ ዝወለደትሉስሙ ይስሃቅ ኣውጽኣሉ

Translation | Context