Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

24 bible verses about

battlefield of the mind


ሮሜ 12:2 | 9 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:3-5 | 8 Helpful votes

ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:5 | 6 Helpful votes

ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።

Translation | Context
ኢሳይያስ 26:3 | 5 Helpful votes

እቲ ጽኑዕ ዝሃቐናኡ ኣባኻ ስለ እተማሕጸነብሰላም፡ እወ ብሰላም ትሕልዎ

Translation | Context
ኤፌሶን 6:12 | 5 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1-21 | 5 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነንእዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ። ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም። ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ አለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም አላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓናእቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። ኣቱም ፍቁራተይፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐርዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልናኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። ኣቱም ፍቁራተይኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርናኣምላኽ ኣባና ይነብርፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብርበዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ ኣቦ ንወዱ ምድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾንሕና ርኢና ንምስክርውን አሎና። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመንኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብርኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምእውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመትፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6-8 | 5 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ። ብዝተረፈስኣሕዋተየሓቂ ዘበለርዝነት ዘለዎ ዘበለቅኑዕ ዘበለንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ

Translation | Context
ያእቆብ 4:7 | 4 Helpful votes

እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:4 | 4 Helpful votes

ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን

Translation | Context
መዝሙር 27:1-14 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህእግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧ ገበርቲ እከይ ንስጋይ ኪውሕጡ ሓደጋ ምስ ወደቑኒ፣ ወደረኛታተይን ጸላእተይን ባዕላቶም ተዛብዑ እሞ ወደቑ። ኪቃወመኒ ኢሉ እኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍርልበይ ኣይፈርህን እዩ፣ ኵናትውን እንተ ዚለዐለኒእምነት አሎኒ። ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሐብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይመቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ። ሎሚ ኸኣ ርእሰይ ኣብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይ ልዕል ኪብል እዩ፣ ኣብ ድንኳኑውን መስዋእቲ ብእልልታ ከቕርብንእግዚኣብሄር ክዝምረሉን ክውድሶን እየ። ዎ እግዚኣብሄርንድምጸይ ስምዓዮ፣ ኣባኻ እምህለል አሎኹ፣ ምሐረኒ እሞ ምለሰለይልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ አሎ። ዎ እግዚኣብሄርንገጽካ እደልዮ እኔኹ። ገጽካ ኣይትሕብኣለይንባርያኻ ብቚጥዓ ኣይትደርብዮ፣ ንስኻ ረዳተይ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ ድሕንነተይኣይትጠንጥነኒኣይትሕደገኒኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒእግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ። ዎ እግዚኣብሄርመገድኻ ምሀረኒ፣ ብምኽንያት ጸላእተይ ኰታ በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒሐሰውቲ ምስክር ዓመጻ ዜተንፍሱን ሰባት ተላዒሎም እዮም እሞ፣ ንኣደዳ ተጻረርተይ ኣይተሕልፈኒ። አየ፣ ለውሃት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርአዮ እንተ ዘይአምንሲብእግዚኣብሄር ተሰፎበርትዕልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:13 | 3 Helpful votes

ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣናናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 3 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ

Translation | Context
ዮሃንስ 8:32 | 3 Helpful votes

ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።

Translation | Context
ሮሜ 8:13 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየከም ስጋ እንተ ነበርኩምክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 3 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:7 | 3 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 4:1-13 | 2 Helpful votes

የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሔብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነበተን መዓልትታት እቲኣተን ገለ እኳ ኣይበልዔንንሳተን ምስ ተወድኣጠመየድያብሎስ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን ኣዝዝበሎየሱስ ከኣ፡ ሰብ ብዅሉ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርንጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድማ ድያብሎስ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስትታት ኵላ ዓለም ኣርኣዮ። ሽዑ ድያብሎስ፥ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ኣነ ንዝደሌኹ እህቦ፡ ንኣኻውን ክህበካ እየ፡ ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካኵሉ ናትካ ኪኸውን እዩ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽጽሑፍ እዩ እሞ፡ ካባይ ርሐቕሰይጣንኢሉ መለሰሉ። ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፥ ንመላእኽቱ ኺሕልዉኻ ይእዝዘልካእግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስካብዚ ንታሕቲ ተደርበበሎየሱስ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ብሁል እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ወድኤንጊዜኡ ሐደጎ

Translation | Context
ምሳሌ 16:18 | 2 Helpful votes

ንውርደት ትዕቢት ትቕድማንውድቀት ከኣ ኵርዓት

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:9 | 2 Helpful votes

ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውንሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 4:24 | 2 Helpful votes

ድማ በሎምብትሰምዕዎ ተጠንቀቑበቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም ኪውሰኸልኩምውን እዩ

Translation | Context
ሮሜ 8:37 | 2 Helpful votes

ሞት ኰነ ወይ ህይወትመላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታትልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና

Translation | Context
ምሳሌ 29:1-27 | 2 Helpful votes

እቲ ብዙሕ ተገሲጹ ክሳዱ ዜትርር ሰብ ብድንገት ይጭፍለቕመድሃኒትውን የብሉን። ጻድቃን እንተ ዐመሩህዝቢ ይሕጐስረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና፡ ህዝቢ የስቈርቍርጥበብ ዚፈቱ ሰብ ነቦኡ የሐጕሶ፡ ምስ ኣመናዝር ዚመሐዞ ግና ገብዘቡ ይውድእንጉስ ንሃገር ብፍርዲ የጽንዓ፡ ፈታው መማለጃ ግና የጥፍእ። እቲ ንብጻዩ ዜቀባጥረሉ ነእጋሩ መጻወድያ ይገብረሉ። ኣብ ገበን እኩይ ሰብ መፈንጠራ አሎ፡ ጻድቕ ግና እልል ይብል ይሕጐስውንጻድቕ ንገበን ድኻታት የስተውዕሎረሲእ ግና ምስትውዓል ኣይፈልጥንመላገጽቲ ሰብ ከተማ የንድዱ፡ ጠቢባን ግና ኵራ ይመልሱጠቢብ ምስ ዓሻ እንተ ተማጐተ፡ ወይ ይዅሪ ወይ ከኣ ይስሕቕዕረፍቲ የብሉን። እቶም መፍሰስቲ ደም ንፍጹም ሰብ ይጸልእዎቅኑዓት ግና ነፍሱ ይደልዩዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን። እቲ ብሓሶት ጽን ዚብል መኰንን፡ ኵሎም ገላውኡ ረሲኣን እዮም። ድኻን ጠቓዕን ይራኸቡ፡ ነዒንቲ ኽልቲኦም ዜብርህ እግዚኣብሄር እዩ። እቲ ንመሳኪን ብቕንዕና ዘፈርዶም ንጉስዝፋኑ ንሓዋሩ ይጸንዕሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍርረሲኣን እንተ በዝሑ፡ ገበን ይበዝሕጻድቃን ግና ውድቀቶም ይርእዩንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ። ራእይ ዜልቦ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፡ ሕጊ ዚሕሉ ግና ብጹእ እዩ። ባርያ፡ ምንም እኳ እንተ ኣስተውዐለ፡ ኣይእዘዝን እዩ እሞ፡ ብዘረባ ኣይቅጻዕንተሀዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ፡ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ አሎ። እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሕንቃቐ ዝዐበየ ባርያ ኣብ መወዳእታ ውሉድ ይኸውን። ቍጡዕ ሰብ ባእሲ የልዕልተነቃፊ ሰብ ሓጢኣት የብዝሕንሰብ ትዕቢት የዋርዶብመንፈሱ ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ። እቲ ምስ ሰራቒ ዚሐብር ንነፍሱ ይጸልኣ፡ ንሱ መርገም ይሰምዕ ገለ ኸኣ ኣይገልጽንንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእርቱብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር። ብዙሓት ሰብ ሞገስ ገዛኢ ይደልዩፍርዲ ነፍሲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ጻድቃን ፍንፉን እዩ፡ እቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመላለስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ረሲኣን ፍንፉን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 4:18 | 2 Helpful votes

ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒመንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ

Translation | Context
ሮሜ 8:1-39 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞንሕጊብስጋ ስለ ዝደኸመኪገብሮ ዘይኰነሉስኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ። ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ። ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡመንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ። ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነንክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ስጋ ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፡ እቲ መንፈስ ግና ሳላ ጽድቂ ህይወት እዩ። ናይ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ። እምብኣርሲ ኣሕዋተየከም ስጋ እንተ ነበርኩምክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናንንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክርውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና። ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበርብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ። ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞንንፈልጥ አሎና እሞ፡ ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነንንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትናማለት ምድሓን ስጋናእናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር አሎና። ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን አሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግናብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና። መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣናኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና። ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውንንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም። እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመናእቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር፡ ዘይነሐፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና፧ ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕእቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ። ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎናከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርናዚብል ጽሑፍ ዘሎጭንቀትዶጸበባዶስደትዶጥሜትዶዕርቃንዶፍርሂዶ ወይስ ሰይፊሞት ኰነ ወይ ህይወትመላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታትልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና

Translation | Context