Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ኣቲ ፍትውተየ፡ ኩለንተናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን።
Translation | Contextስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን።
Translation | Contextጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ።
Translation | Contextመስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ።
Translation | Contextንዅሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።
Translation | Contextሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።
Translation | Contextኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ።
Translation | Contextንጉስ ንውብነትኪ ይብህጎ፣ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ።
Translation | Contextብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየ፣ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፣ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ።
Translation | Contextእኔኺ፡ ኣቲ ፍትውተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ እኔኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጒልባብኪ ኸም ርግብታት እየን። ጸጒሪ ርእስኺ ኸም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ። ኣስናንኪ ኸም እተቘርጻ፡ ካብ ምሕጻብ ዝወጻ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ኲለን መኻን ዜብለን፡ መማንታኤን ድማ ዚወልዳ እዩ። ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እዩ፡ ኣፍኪ ጽቡቕ እዩ፡ መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጒልባብኪ ኸም ምቃል ሮማን እዩ። ክሳድኪ ኸም ንመቐመጥ ኣጽዋር እተሰርሔ፡ ሽሕ ዋልታ፡ ኲላተን ዋላቱ ጀጋኑ፡ ተሰቒልዋ ዘሎ ግምቢ ዳዊት እዩ። ክልቲኤን ኣጥባትኪ ኸም ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹሻን ዚጓሰያ ማንታ መሓስእ ሜዳቚ እየን። መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡ ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡ ኣነ ናብ ከረን ከርቤን ናብ ኲርባ ዕጣንን ክኸይድ እየ። ኣቲ ፍትውተየ፡ ኩለንተናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን። ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ኣቲ መርዓተይ፡ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ካብ ርእሲ ኣማናን ካብ ርእሲ ሰኒርን ሄርሞንን፡ ካብ ማሕደር ኣናብስን ካብ ኣኽራን ኣናብርን ጠምቲ። ኣቲ ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ ልበይ ዘረፍክኒ፡ ብሓንቲ ቘላሕታኽን ብሓንቲ ድሪ ኽሳድክን ልበይ ዘረፍክኒ። ፍቕርኺ ኽንደይ ይጽብቕ፡ ኣቲ ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ፡ መኣዛ ቕብኣትኺውን ካብ ኲሉ ቐመማት ይሐይሽ። መርዓተየ፡ ካብ ከናፍርኪ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ መዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ አሎ፡ ሽቱ ኽዳውንትኺውን ከም ሽቱ ሊባኖስ እዩ። ኣቲ ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ እተሸጐረ ገነት፡ ዕጽዊ ዔላ፡ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ። ኣባኺ ዝበቘለት ገነት ሮማንን ክቡር ፍሬታትን ዕምባባ ሪሓንን ናርዶስን፡ ናርዶስ ሳፍራንን፡ ምኡዝ ወምብቆን ቅርፍትን፡ ምስኡውን በብዓይነቱ ኣእዋም ዕጣን፡ ከርበን ዓልወን ኲሉ ብሉጽ ቀመማትን ዘለዎ እያ። ናይ ገነት ዓይኒ ማይ፡ ናይ ማይ ህይወት ዔላ፡ ካብ ሊባኖስ ዚፈስስ ፈልፋሊት ኢኺ። ንፋስ ሰሜን፡ ተንስእ፡ ንፋስ ደቡብ፡ ንዓ፡ ምኡዝ ጨናታቱ ምእንቲ ኼፍስስ፡ ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈሱ። ፍትወይ ናብ ገነት ይምጻእ፡ ክቡር ፍሬታቱ ይብላዕ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።
Translation | Contextብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ።
Translation | Contextካብ ጽዮን፣ እታ ፍጻሜ መልክዕ፣ ኣምላኽ ደመቐ።
Translation | Contextእኔኹ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ እኔኹ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣዒንትኺ ርግብታት እየን።
Translation | Contextብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሐብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ።
Translation | Context