Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

being a good husband


1ይ ቈረንቶስ 7:1-40 | 11 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል አሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነንኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ። ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩጽቡቕ እዩእብል አሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ። ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ። ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል አሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮምሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወትኣይፍትሓያሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢወይስ ኣታ ሰብኣይንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ። ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ። ግዙር ክነሱ እተጸውዔዶ አሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዔኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘርምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዚጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉንዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸዋዓሉ ጽውዓ ይንበርባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካኣይትጒሄሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔባርያ ክርስቶስ እዩ። ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበርብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩሓሳባይ እብል አሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኺነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። ግናኸ እንተ ተመርዖኻሓጢኣት ኣይገበርካንድንግልውን እንተ ተመርዓወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም አሎኹ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር አሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ። እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዓወትስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበርመፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑዝደለየ ይግበርሓጢኣት የብሉንንሰብኣይ ይሃባ። ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔግዲ ዘይኰኖኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብርሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ አሎ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:19-20 | 9 Helpful votes

ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።

Translation | Context
ምሳሌ 5:18-19 | 7 Helpful votes

ምንጭኻ ይባረኽበታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:7 | 6 Helpful votes

ኣቱም ሰብኡትጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገትከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወንከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:26 | 6 Helpful votes

ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም

Translation | Context
ማቴዎስ 19:5 | 5 Helpful votes

ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:2 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲጥንቁቕቀጻዕ ነፍሱኣገባብ ዚፈልጥተቐባል ጋሻንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ

Translation | Context
ሮሜ 12:9-21 | 5 Helpful votes

ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩምብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩብመንፈስ ተቓጸሉንእግዚኣብሄር ኣገልግሉብተስፋ ተሐጐሱብጸበባ ተዓገሱጸሎት ኣዘውትሩብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑመርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮእዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር

Translation | Context
ሮሜ 12:14-21 | 4 Helpful votes

ንዚሰጉኹም መርቑመርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮእዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር

Translation | Context
ኤፌሶን 4:31 | 3 Helpful votes

ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባካትኩም ይርሐቕ

Translation | Context
ቲቶስ 1:5-9 | 3 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይምበዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡ እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባምቅኑዕቅዱስ፡ ይአኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግባእ። ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከአሎስ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:25-30 | 3 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንናክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:4 | 3 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም

Translation | Context
ማቴዎስ 5:32 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18 | 2 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።

Translation | Context
ቲቶስ 2:3-4 | 2 Helpful votes

እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃትቤተን ዚኣልያሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:22 | 2 Helpful votes

ኣነ ግናንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:1-34 | 2 Helpful votes

ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም አሎኹ። ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ። ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበንርእሱ የሕስርሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበትእዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቚራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዜነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረንስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ። ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎሰበይቲ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ። ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዚፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን። ግናኸ እዚ ኽእዝዝ ከሎኹ፡ ምእካብኩም ንዚገድድ እምበር፡ ንዚሐይሽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንእደኩምን እየ። ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኣብ ማሕበር ምስ ተኣከብኩምምፍልላይ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ እሰምዕ አሎኹ እሞ፡ ካብኡውን ከፊለ እኣምን እየ። እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግለጹስ፡ ኣብ ማእከልኩም ሻራ ኪኸውን ብግዲ ዜድሊ እዩ። ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር አሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሓደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነንእትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምንወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም፡ ነቶም ዜብሎምውን እተሕፍርዎም ዘለኹም፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ በዚዶ ኽንእደኩም፧ ኣይንእደኩምን እየ። ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎበለከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእሞቱ ትነግሩ ኢኹም። ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲኣይምተዀነናን ኔርናክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነንብጐይታ ንቕጻዕ አሎና። ስለዚኣሕዋተየንምብላዕ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ደኣ ተጸባበዩምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ገለ ሰብ እንተ ጠመየኣብ ቤቱ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩክሰርዖ እየ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:27 | 2 Helpful votes

ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሃብዎ

Translation | Context