Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

being a good mother


ዘዳግም 6:5-9 | 18 Helpful votes

ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮምኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ

Translation | Context
መዝሙር 127:3 | 15 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:6 | 12 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:10-31 | 11 Helpful votes

ደገኛ ሰበይትስ መን ይረክባዋጋኣ ኻብ ብኩር ዕንቍ ኣዝዮ ይከብር። ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን። ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮንጸጕርን ልሕጺ እንታጢዕን ትደሊተሐጕሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ። ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ። ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦምነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን። ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክልሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ። ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ዝዀነ ትርኢመብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። ኣእዳዋ መፍተል የልዕላኣጻብዓውን ቍኒን ይሕዛንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎምንጹጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም። ኵሎም ስድራኣ ሰብ ደርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብወርጪ ኣይትፈርህን። ንርእሳ ምንጻፋት ትገብርክዳውንታውን በፍታን ጁዅን እዩ። ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ። ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥመቐነት ነጋዳይ ትህቦሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆኣፋ ብጥበብ ትኸፍትትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ። ንብረት ቤታ ትሕሉእንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕንደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ። ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንኣዳ

Translation | Context
ቲቶስ 2:5 | 11 Helpful votes

ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃትቤተን ዚኣልያሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን።

Translation | Context
ምሳሌ 31:17 | 7 Helpful votes

ሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 5 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:21 | 3 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም

Translation | Context
ዘጸአት 20:12 | 3 Helpful votes

ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:20-25 | 3 Helpful votes

ሰብ ድማ ንዅሉ እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ሰስሙ ሀቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኽበትንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉደቀሰ ድማ። ካብ መሰንገሊኡ ኸኣ ሓንቲ ወሰደ፡ ኣብ ስፍራኣ ድማ ስጋ መልኣእግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለሰበይቲ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞሰበይቲ ትብሀልበለስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ። እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ኣይሓንኩን ከኣ ነበሩ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:15 | 3 Helpful votes

ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦምነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም

Translation | Context
ምሳሌ 3:4 | 2 Helpful votes

ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።

Translation | Context