Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

being a good wife


ምሳሌ 31:10-31 | 9 Helpful votes

ደገኛ ሰበይትስ መን ይረክባዋጋኣ ኻብ ብኩር ዕንቍ ኣዝዮ ይከብር። ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን። ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮንጸጕርን ልሕጺ እንታጢዕን ትደሊተሐጕሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ። ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ። ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦምነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን። ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክልሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ። ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ዝዀነ ትርኢመብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። ኣእዳዋ መፍተል የልዕላኣጻብዓውን ቍኒን ይሕዛንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎምንጹጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም። ኵሎም ስድራኣ ሰብ ደርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብወርጪ ኣይትፈርህን። ንርእሳ ምንጻፋት ትገብርክዳውንታውን በፍታን ጁዅን እዩ። ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ። ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥመቐነት ነጋዳይ ትህቦሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆኣፋ ብጥበብ ትኸፍትትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ። ንብረት ቤታ ትሕሉእንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕንደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ። ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንኣዳ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:2-5 | 6 Helpful votes

ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:1-6 | 5 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩበኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹንቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲንሰብኡተን እናተኣዘዛከምዚ እየን እተሰለማከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክንብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲኣዋልዳ ኢኽን።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:1 | 5 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩበኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም

Translation | Context
5:22-9 | 4 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩበኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም

Translation | Context
ምሳሌ 18:22 | 4 Helpful votes

እቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል

Translation | Context
ኤፌሶን 5:33 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራእታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:3 | 3 Helpful votes

ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 12:4 | 3 Helpful votes

ደጊ ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፡ እታ እተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ።

Translation | Context
ቲቶስ 2:1-15 | 2 Helpful votes

ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዚግባእ ጌርካ ንገር፡ እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነትብፍቕሪብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ፡ እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃትቤተን ዚኣልያሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን። ነጕባዝውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ምዓዶምካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲብንጹህ ትምህርቲብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበርንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዚግዝኡዳርግዳርጋ ዘይመልሱብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ፡ ምዓዶም። ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድናኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ። የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣናንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ። እዚ ብዅሉ ስልጣን ንገርን ምዓድን ግናሕንሓደ እኳ ኣይንዓቕካ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:7 | 2 Helpful votes

ኣቱም ሰብኡትጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገትከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወንከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ

Translation | Context
ምሳሌ 14:1 | 2 Helpful votes

ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ

Translation | Context
ምሳሌ 19:14 | 2 Helpful votes

ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:25 | 2 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ

Translation | Context
ያእቆብ 1:19 | 2 Helpful votes

ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።

Translation | Context
ምሳሌ 31:11-12 | 2 Helpful votes

ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን። ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮን

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:5 | 2 Helpful votes

ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲንሰብኡተን እናተኣዘዛከምዚ እየን እተሰለማ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-13 | 2 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድልስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸእቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹከም ቈልዓ ተዛረብኩልቢ ቘልዓ ነበረኒከም ቈልዓ ሐሰብኩሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:18 | 2 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:11-14 | 2 Helpful votes

ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃርኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበርክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለንሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት።

Translation | Context
እብራውያን 13:4 | 2 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context