Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
Translation | Contextከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
Translation | Contextሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።
Translation | Contextንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን።
Translation | Contextጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ፡ ካብ ደፋእኩምዎን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ከኣ፡ ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ፡ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ አሎና።
Translation | Contextንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።
Translation | Contextንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ።
Translation | Contextፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።
Translation | Contextካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካ።
Translation | Contextኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍት፡ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻ፡ ብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢ፡ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ።
Translation | Contextንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ።
Translation | Contextብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።
Translation | Context