Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

25 bible verses about

being a man of god


1ይ ጢሞቴዎስ 6:11 | 9 Helpful votes

ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂኣምልኾእምነትፍቕሪትዕግስቲህድኣት ሰዓብ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 16:13 | 8 Helpful votes

ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑበርትዑ

Translation | Context
ሮሜ 12:1-21 | 6 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስትንቢት እንተ ዀይኑብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩምብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩብመንፈስ ተቓጸሉንእግዚኣብሄር ኣገልግሉብተስፋ ተሐጐሱብጸበባ ተዓገሱጸሎት ኣዘውትሩብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑመርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮእዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር

Translation | Context
ዮሃንስ 13:34 | 5 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹምከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 5 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 4 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ሚክያስ 6:8 | 4 Helpful votes

ኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካእግዚኣብሄርሲቅንዕና ኽትገብርምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:7 | 4 Helpful votes

ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩምድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1 | 3 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:8 | 3 Helpful votes

ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቕሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎሰናይ ትገብሩ አሎኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 4:24 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦምኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-9 | 3 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ምሳሌ 5:1-12 | 3 Helpful votes

ወደየምኽሪ ኸተጽንዕከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኺሕዛስ፡ ናብ ጥበበይ ኣቕልብ፡ ናብ ምስትውዓለይውን እዝንኻ ኣድንንከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብኣፋ ኸኣ ካብ ዘይቲ ይልስልስመወዳእታኣ ግና ከም ዕረ መሪርክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሴፍ ከኣ በሊሕ እዩ። ኣእጋራ ናብ ሞት ይወርዳስጕምታ ናብ ሲኦል ይበጽሕንመገዲ ህይወት ከይትረኽባስበኻይዳኣ ዀብላሊት እያ እሞ፡ ኣይትፈልጥን እያ። ኣቱም ደቀየ፡ እምበኣርሲ ሕጂ ስምዑኒ፡ ካብ ቃላት ኣፈይ ከኣ ኣይትርሐቑመገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ፡ ናብ ደገ ቤታ ኣይትቕረብክብርኻ ንኻልእዕድሚኻውን ንጨካን ከይትህብብጥሪትካ ኻልኦት ከይጸግቡ፡ ፍረ ድካምካውን ናብ ቤት ካልእ ከይሐልፍ፡ ኣብ መጠረስታ ነፍሰ ስጋኻ ምስ ተወድኤከይተልቅስ እሞ፡ ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎልበይሲ ንዘለፋ ነዐቖ፡ ስለምንያትከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ፡ ናብቶም ዜስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ኵሉ ንምብጻእ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይረከይትብልሲ፡ መገድኻ ካብኣ ኣርሕቖ።

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 2 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስንመንፈስንመፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም

Translation | Context
መዝሙር 63:1-5 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ አሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ አላ፣ ስጋይማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ። ከምኡውን ስልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፣ ናብ መቕደስካ ኤማዕዱ አሎኹ። ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ፣ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን። ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ። ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ክሓስበካ ከለኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 2:7 | 2 Helpful votes

እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር አሎኹ፣ እግዚኣብሄር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 2 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
1ይ ነገስት 2:2-4 | 2 Helpful votes

ኣነ መገዲ ዂላ ምድሪ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ጽኑዕሰብአይ ከኣ ኹንእቲ እትገብሮ ዘበለ ዂሉን ገጽካ ኣብ እትመልሰሉን ምእንቲ ኺቐንዓካስ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎብመገዱ ኽትከይድሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ምስክሩን ድማ ክትሕሉንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሐሉእግዚኣብሄር ነቲ ብዛዕባይ ከምዚ ኢሉ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጽሞእቶም ደቅኻ ብእምነትን ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱመገዶም እንተ ሐለዉ፡ ሽዑ ኻብ ዝፋን እስራኤል ሰብ ኣየቋርጸልካን እየበለኒ

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:1-22 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብመልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረኣዩ፡ ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱእግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በለደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተዉ፡ ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየእግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰብልቡ ድማ ጐሀየእግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሰብ ስለ ዝገበርክዎ ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎ ሰብ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ክሳዕ ለመምታ፡ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶም እየ፡ በለኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበወለዶ ኖህ እዚ እዩ፥ ኖህ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰኖህ ድማ ሰለስተ ወዲሴምን ካምን ያፌትንወለደምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤትስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረኣያ፡ እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት። ኣምላኽ ከኣ ንኖህ በሎብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ። እንሆ ድማ፡ ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃከምዚ ኸኣ ግበራምናሕ እታ መርከብ ሰለስተ ሚእቲ እመትምግፍሓ ሓምሳ እመትቍመታ ድማ ሰላሳ እመት ይዅን። ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቝመቱ መስኰት ግበረላኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎቦኣ ግበሮታሕታይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ ግበረላ። ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኺጠፍእሲእንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኺመውት እዩ። ምሳኻ ግና ኪዳነይ ከቕውም እየ፡ ንስኻ፡ ምሳኻ ድማ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻንናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ። ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎም ድማ፡ ካብ ኵሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ከክልተ ኻብ ኵሉ ዓይነት ናብ መርከብ ኣእቱተባዕታይን ኣንስተይትን ይኹኑ። ንስኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎምሲ፡ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነተን፡ ካብ እንስሳ በብዓይነቱ ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብል በብዓይነቱ ጌርካ፡ ካብ ዝዀነ ዓሌት ከክልተ ናባኻ ይእተዉ። ካብ ዚብላዕ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ድማ ንኣኻን ንኣታቶምን ቀለብ ኪኸውን ኣእቲኻ ኣባኻ ኣክቦኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም

Translation | Context
1ይ ነገስት 2:2 | 2 Helpful votes

ኣነ መገዲ ዂላ ምድሪ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ጽኑዕሰብአይ ከኣ ኹን

Translation | Context
ገላትያ 3:28 | 2 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:18 | 2 Helpful votes

ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐትይብል እግዚኣብሄርሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context