Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

being a women of god


1ይ ጴጥሮስ 3:3-6 | 6 Helpful votes

ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹንቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲንሰብኡተን እናተኣዘዛከምዚ እየን እተሰለማከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክንብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲኣዋልዳ ኢኽን።

Translation | Context
ምሳሌ 31:20 | 5 Helpful votes

ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎምንጹጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:15 | 3 Helpful votes

ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።

Translation | Context
ምሳሌ 31:28 | 3 Helpful votes

ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:11 | 3 Helpful votes

ስለዚከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕኩም ተማዓዓዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 3 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ

Translation | Context
ኤፌሶን 5:1-33 | 3 Helpful votes

ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩምዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም። ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ አሎኹም። ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም። ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩምከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎእቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዚግበር ንምዝራቡ እኳ ነውሪ እዩ። ግናኸ እቲ ግሁድ ዘበለ፡ ንሱ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ ዚግናሕ ዘበለ በቲ ብርሃን ይገሃድ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ፡ ይብል። እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩምከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱተመልከቱምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑዝርገት አለዎ እሞብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩምንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦምከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንናክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራእታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:11 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ።

Translation | Context
ምሳሌ 14:1-35 | 2 Helpful votes

ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶብቕንዕናኡ ዚመላለስ ንእግዚኣብሄር ይፈርሆመገዱ ዜጐብጥ ግና ይንዕቆኣብ ኣፍ ዓሻ ሸቦጥ ትዕቢት አሎ፡ ንጠቢባን ግና ከናፍሮም ይሕልውዎምብዕራይ ኣብ ዜብሉ መብልዕ ማል ጥራዩ እዩ፡ ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሊ ብዕራይ እዩ። እሙን ምስክር ኣይሕሱንሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት የውስእመላገጺ ንገንዘብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን፡ ነእምሮኛ ግና ፍልጠት ኣይሽግሮን። ካብ ዓሻ ርሐቕ፡ ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይትርረክብን ኢኻ። ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ። እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩኣብ ማእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ አሎልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፡ ኣብ ሓጐሱ ኸኣ ጓና ኣይሕወስንቤት ረሲኣን ይዐኑድንኳን ቅኑዓት ግና ይዕምብብንሰብ ቅንዕቲ ትመስሎ መገዲ አላመወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ። ልቢ እናሰሐቕካውን ይጉሂ እዩ፡ መወዳእታ ሓጐስ ከኣ ሓዘን እዩ። እቲ ብልቡ ዚዐሉ ብመገዱ ይጸግብደጊ ሰብ ድማ ካብ ርእሱ እዩ። ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምንለባም ግን ንስጉምቱ ይጥንቀቐለንጠቢብ ይፈርህ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕዓሻ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩኰራዪ ሰብ ዕሽነት ይገብርተንኰለኛ ኸኣ ይጽላእእቶም ደናቝርቲ ዕሽነት ይርስተዩለባማት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ። እቶም እኩያት ኣብ ቅድሚ ሰናያትረሲኣን ከኣ ኣብ ደጌታት ጻድቃን ይደኑንድኻ ብጻዩ እኳ ይጸልኦፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም። እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ሓጢኣት ይገብር፡ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ግና ብጹእ እዩ። እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣይጋገዩንዶ እዮም፡ ምሕረትን ሓቅን ግና ነቶም ሰናይ ዚሐስቡ እዩ። ኣብ ዕዮ ዘበለ ረብሓ አሎ፡ ዘረባ ኸናፍር ግና ናብ ረሲእነት ጥራይ የብጽሕሃብቲ ንጠቢባን ዘውዶም እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ኵሉ ጊዜ ዕሽነት እዩ። ሓቀኛ ምስክር ነፍሳት የድሕንሓሶት ዚዛረብ ግና ምጥባር ጥራይ እዩ። ጽኑዕ እምንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንደቁ ኸኣ ጸግዒ ይዀኖም። ካብ ወጽመድ ሞት ከተምልጥሲፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ። ምብዛሕ ህዝቢ ክብሪ ንጉስ እዩ፡ ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት መስፍን እዩ። እቲ ንዅራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ አለዎ፡ ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ። ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ፡ ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቝንቍኔኡ እዩ። እቲ ንድኻ ዚጭቍን ንፈጣሪኡ ይጸርፍንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮረሲእ ብእከዩ ይግምጠልጻድቕ ግና ኣብ ሞት እኳ ጸግዒ አለዎ። ጥበብ ኣብ ልቢ ኣእምሮኛ ትሐድር፡ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ ዘሎ ግና ይግለጽጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፡ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ። ሞገስ ንጉስ ንለባም ጊልያ እዩ፡ ቍጥዓኡ ግና ነቲ ዜነውር እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 20:4 | 2 Helpful votes

ነቲ ልብኻ ዚምነዮ ይሀብካንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 2 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:29 | 2 Helpful votes

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውንንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:1-22 | 2 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩበኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹንቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲንሰብኡተን እናተኣዘዛከምዚ እየን እተሰለማከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክንብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲኣዋልዳ ኢኽን። ኣቱም ሰብኡትጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገትከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወንከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩመወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦምእትዳናገጹሕውነት እተፍቅሩለዋሃትትሑታት ኩኑ፡ ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊልሳኑ ኻብ ክፉእከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበርንሰላም ይድለያ ይስዐባውን። ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዚገበረኩምስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውንንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን። ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹምክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎምትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየትእታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደትማለት ሾሞንተ ነፍሲብማይ ዝደሐናላነቶም ቀደም ዘይአመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉማለት ጥምቀትየድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:7 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐርዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:28-31 | 2 Helpful votes

እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርንኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧ ንድኹም ሓይሊ ይህብንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉንኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 2 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም

Translation | Context
ኤፌሶን 5:16 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩምከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱተመልከቱ

Translation | Context
ቲቶስ 2:1-15 | 2 Helpful votes

ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዚግባእ ጌርካ ንገር፡ እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነትብፍቕሪብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ፡ እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃትቤተን ዚኣልያሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን። ነጕባዝውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ምዓዶምካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲብንጹህ ትምህርቲብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበርንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዚግዝኡዳርግዳርጋ ዘይመልሱብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ፡ ምዓዶም። ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድናኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ። የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣናንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ። እዚ ብዅሉ ስልጣን ንገርን ምዓድን ግናሕንሓደ እኳ ኣይንዓቕካ

Translation | Context
መዝሙር 143:10 | 2 Helpful votes

ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፣ ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:25-32 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎኣካል ሓድሕድ ኢና እሞነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩምንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሃብዎእቲ ዝሰረቐነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕእቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውንንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሐተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባካትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:14 | 2 Helpful votes

ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩምከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ

Translation | Context