Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

being an encourager


1ይ ተሰሎንቄ 5:11 | 16 Helpful votes

ስለዚከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕኩም ተማዓዓዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ

Translation | Context
እብራውያን 10:25 | 8 Helpful votes

እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ

Translation | Context
ምሳሌ 16:24 | 7 Helpful votes

ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑምነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:29 | 6 Helpful votes

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውንንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ

Translation | Context
እብራውያን 3:13 | 6 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተየሎሚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉተጠንቀቑ

Translation | Context
ምሳሌ 12:25 | 5 Helpful votes

እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ

Translation | Context
ሮሜ 15:1-33 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንናድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውርንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። ከምቲ ጽሑፍጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍናንብጻዩ ምእንቲ ኺሃንጾብሰናይ ነገር ባህ የብሎ። ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ። ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸተኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩምከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩምሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩምክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ኬጽንዖስ፡ ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ፡ እብል አሎኹ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩምንሓድሕድኩም ተቓባበሉ። ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን እዝምር አሎኹ፡ ዚብልንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ። ከም ብሓድሽውን፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሐጐሱይብልመሊሱ ኸኣ፡ ኲላትኩም ኣህዛብንጐይታ ኣመስግንዎ፡ ብዘለዉ ህዝብታትውን ይወድስዎ፡ ይብል። ኢሳይያስ ድማ ደጊሙእቲ ሱር እሴይ ኪኸውን እዩ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ኪገዝእ ዚትንስእ፡ ብእኡውን ኣህዛብ ተስፋ ኺገብሩ እዮም፡ ይብልብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩምኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምሲ ብጽቡቕ ነገር ምሉኣት ምዃንኩም ብልጠት ዘበለ ዂሉ ኸም ዝመላእኩምንሓድሕድኩም ምምዕዓድውን ከም ዚዀነልኩም፡ ኣነ ባዕለይ ተረዲኤዮ አሎኹ። ግናኸ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሰ ምስዋእ ኣህዛብ ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ ብወንጌል ኣምላኽ እናኣገልገልኩ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ነህዛብ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ጸጋ ኸም ዘዘክረኩም ኰይነ፡ ብሓደ ወገን ኣዝየ ደፊረ ጸሐፍኩልኩም። እምብኣርሲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትንንምእዛዝ ኣህዛብክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዘይገበሮስ ክዛረበሉ እኳ ኣይደፍርን እየ እሞ፡ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምከሓሉ አሎኒ። ከምዚ ኻብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ። ከምቲ፡ ብእኡ ዘይተነግረሎም ኪርእይዎ እዮም፡ እቶም ዘይሰምዑውን ኬስተብህሉ እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሃንጽሲ፡ ኣብቲ ክርስቶስ እተሰምየሉ ዘበለ፡ ወንጌል ከይሰብኽ፡ ክብረተይ ገይረዮ አሎኹ። ስለዚ ኸኣ ናባኻትኩም ካብ ምምጻእ ብዙሕ ሳዕ ተኸልከልኩሕጂ ግና ኣብዚ ሃገር እዚ ስፍራ ስለ ዜብለይ፡ ናባኻትኩም ምምጻእውን ካብ ብዙሕ ዓመታት ሒዘ ስለ ዝናፈቕኩንስጳንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ክሐልፍ ከሎኹ ኽርእየኩምቅድም ቅሩብ ብምርኣይኩም ምስ ጸገብኩ፡ ካብኡ ንንየው ድማ ብኣኻትኩም ክስነ ተስፋ እገብር አሎኹ። ሕጂ ግና መቄዶንያን ኣካይያን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ናይ ቅዱሳን ድኻታት ገንዘብ ኬዋጽኡ ፈትዮም ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ቅዱሳን እናኣገልገልኩ ናብ የሩሳሌም እኸይድ አሎኹ። ሰሚሮምዎ እዮም እሞ፡ ሰብ ኢዶምውን እዩም። ካብቲ መንፈሳዊ ርካቦም እቶም ኣህዛብ ካብ ተማቐሉስ፡ ንሳቶም ድማ በቲ ንስጋኦም ዜድሊ ኼገልግልዎምዚግባእ እዩእምብኣርሲ እዚ ምስ ወዳእኩ፡ እዚ ፍረ እዚውን ምስ ሐተምኩሎም፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ንስጳንያ ክኸይድ እየ። በቲ ናባኻትኩም ምምጻኤይ ከኣ ብምልኣት በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመጻእኩእፈልጥ አሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ካብቶም ኣብ ኣይሁድ ዘለዉ ዘይኣምኑ ኽድሕንኣገልግሎተይ ንየሩሳሌምውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ኪኸውን፡ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዓርፍሲብፍቓድ ኣምላኽ ብሓጐስ ናባኻትኩም ክመጽእብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም አሎኹ። ኣምላኽ ሰላም ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-13 | 3 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድልስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸእቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹከም ቈልዓ ተዛረብኩልቢ ቘልዓ ነበረኒከም ቈልዓ ሐሰብኩሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 25:11 | 2 Helpful votes

ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:20 | 2 Helpful votes

ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ አሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም አሎና።

Translation | Context
እብራውያን 13:7-9 | 2 Helpful votes

ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎምመወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስብጸጋ እንተ ጸንዔጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ

Translation | Context