Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
እቲ ንኣኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር ርአዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ፍርሁ፡ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከኣ ኣገልግልዎ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextእቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ።
Translation | Contextሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን።
Translation | Contextብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።
Translation | Contextንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ።
Translation | Contextኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።
Translation | Contextግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡
Translation | Contextእሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።
Translation | Contextነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፡ ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፡ ከምዚ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ብእምነትን ብፍጹም ልብን ዕየዩ።
Translation | Contextእቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።
Translation | Contextበታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎም፡ መዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኩን፡ በሎም። እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረአይዎ፡ ተሐጐሱ። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ሰላም ንኣካትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለአኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ፡ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም። እቲ ዲዲሞስ ዚብሀል ቶማስ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ግና፡ የሱስ ኪመጽእ ከሎ፡ ምሳታቶም ኣይነበረን።
Translation | Context