Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ፡ በሎም።
Translation | Contextበዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።
Translation | Contextቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ እስራኤል ይበል። ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ ቤት ኣሮን ይበል። ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርህዎ ይበሉ። አብ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፣ እግዚኣብሄር መለሰለይ ኣርሐበለይ ድማ። እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን፣ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ረዳእየይ እዩ፣ ኣብ ጸላእተይ ትምኒተይ ክርኢ እየ። ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ። ካብ ኣብ መሳፍንቲ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ። ኵሎም ኣህዛብ ከበቡኒ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። ከበቡኒ፣ እወ ኸበቡኒ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። ከም ንህቢ ከበቡኒ፣ ከም ሓዊ ቘጥቋጥ ጠፍኡ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። ከተውድቐኒ ኢልካ ኣዚኻ ደፋእካኒ እግዚኣብሄር፣ ግና ረድኣኒ። ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱውን ምድሓነይ ኰነ። ኣብ ድንኳናት ጻድቃን ድምጺ እልልታን ምድሓንን አሎ፣ የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር። የማነይቲ እግዚኣብሄር ልዕል ትብል፣ የማነይቲ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር አላ። ብህይወት ክነብር እየ እምበር፣ ኣይክመውትን፣ ግብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ከዘንቱ እየ። እግዚኣብሄር ኣዝዩ ቐጽዓኒ፣ ንሞት ግና ኣይወፈየንን።
Translation | Contextእንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም።
Translation | Contextዎ ኣምላኽ፣ ኣውያተይ ስማዕ፣ ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ። ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ፣ ስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም አሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቊብ አሎኹ። [ሴላ።] ዕድመ ንጉስ ተንውሕ፣ ዓመታቱ ኻብ ወለዶ ንወለዶ ይነብር። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር፣ ምሕረትን እምነትን ኪሕልዋኦ ኣዳሎ። ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ፣ ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ክንሐብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና። ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ። ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚአክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ አሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር አሎና። ንስካትኩም ከኣ ብጸሎትኩም ትድግፉና አሎኹም። ከምኡውን ሳላ እቲ ብብዙሓት ሰባት ዝረኸብናዮ ውህበት ጸጋ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና ኼመስግኑ እዮም።
Translation | Contextኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።
Translation | Contextእቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።
Translation | Contextብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
Translation | Contextእቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Translation | Contextጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።
Translation | Context