Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧
Translation | Contextእዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፣ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።
Translation | Contextጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም።
Translation | Contextነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕ፡ ነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታምውን ኤናግፎ ነበርኩ እሞ፡ ዝሰምዓትኒ እዝኒ ትምርቐኒ፡ ዝረአየትኒ ዓይኒ ኸኣ ትምስክረለይ ነበረት።
Translation | Contextንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞ፡ ንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ።
Translation | Contextእቲ ንጥርዓን ድኻ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚዐጹ፡ ንሱውን ይጠርዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን።
Translation | Contextብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextእቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።
Translation | Contextኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉ፡ እቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ።
Translation | Contextንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።
Translation | Contextከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም።
Translation | Contextእቲ ንድኻ ዚጭቍን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ።
Translation | Contextንብሩርስ ከም ሓመድ እንተ ኣከቦ፡ ንኽዳውንቲውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ፡ ንሱ ይድልብ፡ ግናኸ እቲ ጻድቕ እዩ ዚኽደኖ፡ ነቲ ብሩርውን እቲ ንጹህ ይማቐሎ።
Translation | Contextእምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።
Translation | Contextኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።
Translation | Contextነቲ ባህ ዜብሎ ሰብሲ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ እዩ እሞ፡ ንሓጢኣተኛ ግና፡ ነቲ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኺሐድገሉስ፡ ኪእክብን ኪድልብን የመዝዞ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ፡ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዓበኒ በሎ።
Translation | Contextእንሆ፣ እቲ ኣበሳ ሶዶም ሓብትኺ እዚ ነበረ፣ ትዕቢትን ጽጋብ እንጌራን ትህኪትን ኣብኣን ኣብ ኣዋልዳን ነበረ፣ ግናኸ ኢድ እቲ ጭኑቕን ድኻን ኣይደገፈትን። ዕቡያት ነበራ፣ ኣብ ቅድመይ ከኣ ፍንፉን ነገር ገበራ፣ እዚ ምስ ርኤኹ ድማ ኣጥፋእክወን።
Translation | Context