Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

being proud


ያእቆብ 4:6 | 11 Helpful votes

ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል

Translation | Context
ያእቆብ 4:10 | 8 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 8:13 | 6 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየ

Translation | Context
ሉቃስ 18:9-14 | 6 Helpful votes

ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎምክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውምካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእከምቶም ካልኦት ሰባትከተርቲዓመጽቲዘመውቲወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ኣምላኸይንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒእናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:31-32 | 4 Helpful votes

ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባካትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:18 | 4 Helpful votes

ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎም

Translation | Context
ዮሃንስ 8:44 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹምእታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:4-5 | 3 Helpful votes

ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡

Translation | Context
ዘጸአት 20:17 | 3 Helpful votes

ቤት ብጻይካ ኣይትተምነሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡግዝእቱብዕራዩኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 3 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

Translation | Context
ሮሜ 10:9 | 3 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርንይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ሮሜ 13:12 | 3 Helpful votes

ለይቲ ሐሊፋመዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስኣጽዋር ብርሃን ንልበስ

Translation | Context
ማቴዎስ 18:1-35 | 3 Helpful votes

በታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽእናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ። ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ። በለ ኸኣእንተ ዘይተመለስኩምከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩምናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕትንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽንኽምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል። ካብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተአሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾመዓንቀፊ ኸይ መጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓምቀፊ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስቍሩጽ ወይስ ሓንካስ ኳንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስነቛር ዃንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑመላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ፡ እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ አሎ እሞ፡ እንታይ ይመስለኩምሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን፧ እንተ ረኸባ ድማ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ፡ ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጎስብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን። ሓውካ እንተ በደለካኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውንብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይሓወይ እንተ በደለንስክንደይ ሳዕ ክሐድገሉክሳዕ ሾብዓተዶ በሎየሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን። ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስልኪጸባጸብ ምስ ጀመረእልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና፡ እቲ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ። ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡጐይታይተዐገሰኒኵሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ፡ ኢሉ ሰገደሉጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖንዕዳኡ ውን ሐደገሉእቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበሒዙ ኸኣ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒኢሉ ሐነቖ። ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ፡ ተዐገሰኒኵሉ ኽፈድየካ እየ፡ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ። ንሱ ግና አበዮ፡ ከይዱ ድማ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲኣእሰሮ። እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩከይዶም ከኣ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧ በሎ። ጐይታኡ ዀርዩ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲንዜጽብቡሉ ኣሕሊፉ ሀቦነፍሲ ወከፍኩም ነን ሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9-10 | 2 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱኣመንዝራታትወይ መምለኽቲ ጣኦትዘመውቲወይ ሕንቁቓትወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲወይ ስሱዓትወይ ሰካራትወይ ተጻረፍቲወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 2 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝርርኽሰትዕብዳንኣምልኾ ጣኦትጥንቈላጽልኢባእሲቅንኢቍጥዓሻራምፍልላይዝርግርግቅንኣትቅትለትስኽራንጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 10:17 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 5:1-47 | 2 Helpful votes

ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነየሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእስራይስጢ ቤት-ሄስዳ ዚብሃልሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማትዕውራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እንተንሳቐሰ ማይ ዝአተወካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ። ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኣ ነበረየሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፡ በሎ። እቲ ሕሙም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ፡ ኢሉ መለሰሉየሱስ ከኣ፥ ተንስእዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድበሎእቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየዓራቱ ኣልዒልውን ከደእታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረትስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፥ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን በልዎ። ንሱ ግና፥ እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ፡ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም፥ እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎእቲ ዝሐወየ ግናኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ የሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። ድሕርዚ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፥ እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስመሊስካ ኣይትበድል፡ በሎእቲ ሰብኣይ ከይዱንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ የሱስ ምዃኑ ነገሮምስለዚብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረኣይሁድ ንየሱስ ይሰጕዎኪቐትልዎን ይደልዩ ነበሩ። የሱስ ግና፥ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብርኣነውን እገብር አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎምስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። የሱስ መሊሱ በሎምብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎንነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። ኣቦ ንወዲ የፍቕሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮንስካትኩም ምእንቲ ኽትግረሙካብዚ ዚዓቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ። ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ። ኵሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሃቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለአኸኒ ዚአምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰሞዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም፡ ኢለ ብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትህልዎህይወት ሃቦወዲ ሰብ እዩ እሞ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሃቦኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወትእኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ። ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልንፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከማቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ። ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሕቂ ኣይከውንን እዩ። ንኣይ ዚምስክረለይሲ ኻልእ አሎእቲ ንሱ ብዛዕባይ ዚምስክሮ ምስክር ከኣ ሓቂ ምኳኑ እፈልጥ አሎኹ። ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ለኣኽኩም፡ ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረእዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል አሎኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ዝቕበል ኣይኰንኩንንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹምግናኸ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪእዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለአኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዚዓቢ ምስክር አሎኒ። እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉውን ኣይርኤኹምንበቲ ንሱ ዝለኣኾ ኣይኣመንኩምን እሞቃሉውን ኣይሐደረኩምን። ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጹሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን አሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም። ኣነ ውዳሴ ሰብ ኣይቅበልን እየ። ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዜብልኩም ግና እፈልጠኩም አሎኹ። ኣነ ብስም ኣቦይ መጻእኩ እሞ ኣይተቐበልኩም ንን፡ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መጸንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም። ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ካብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩምኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩምዚኸስኩምሲ አሎንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ። ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ አሎ እሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም። ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግናከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 2 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎምምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context