Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።
Translation | Contextብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextእምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።
Translation | Contextከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።
Translation | Contextእቲ ኣብታ ክትርስተይዋ እትሐልፍዋ ዘሎኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ እዚ እዩ። ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሐሉ። ስለዚ፡ ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ኪጽብቐልካን ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገርን ድማ ኣዚኻ ኽትበዝሕን፡ ክትገብሮ ተጠንቀቕ። ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ። ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ንኣኻ ኺህበካ፡ ዝመሐለሎም ምድሪ፡ ምስ ኣእተወካ፡ ዘይሰራሕካየን ዓበይትን ጽቡቓትን ከተማታት፡ ዘይመላእካየን ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትን፡ ዘይኰዐትካዮ ዅዑት ዔላታትን፡ ዘይተኸልካዮ ወይንን ኣውልዕን ከኣ ምስ ሀበካ፡ እሞ በሊዕካ ምስ ጸገብካ፡ ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ከይትርስዖ ተጠንቀቕ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍራህ፡ ንእኡ ድማ ኣገልግል ብስሙውን ምሐል። እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኻ ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንኩምዎ፡ ኣይትፈትንዎ። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንዝአዘዘካ ምስክሩን ሕጋጋቱን ከኣ ኣጽኒዕኩም ሐልዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ንዅሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ኪሰጎም፡ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ ዝመሐለሎም ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ክትኣቱን ክትርስተያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ጽቡቕን ግበር። ንዳሕራዩ ወድኻ፡ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘኩም ምስክራትን ሕጋጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ፧ ኢሉ እንተ ሐተተካ፡ ሽዑ ንወድኻ በሎ፡ ኣብ ግብጺ ባሮት ፈርኦን ነበርና፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ብዘሎ ቤቱን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዓበይትን ዚጐድእን ትእምርትን ተኣምራትን ገበረ። ንኣና ግና፡ ናብታ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ምእንቲ ኼእትወናን ንእኣ ኺህበናን፡ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ጽቡቕ ኪዀነልና ኸምዚ ሎሚ ዘሎናዮ ኸኣ፡ ብህይወት ኬንብረና፡ እግዚኣብሄር ነዚ ዅሉ ትእዛዛት ክንገብሮ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ክንፈርሆ ኣዘዘና። ንኣና ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ዝአዘዘና፡ ንዅሉ እዚ ትእዛዛት እዚ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቕና፡ ጽድቂ ይዀነልና።
Translation | Contextኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Contextቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።
Translation | Contextኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።
Translation | Context