Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብር፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚአምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextበሎም ድማ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ። ዝአመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘያኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።
Translation | Contextእቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።
Translation | Contextልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።
Translation | Contextስለዚ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ዕዮ ግብጻውያን ከውጽኣኩም እየ፡ ካብ ባርነቶም ከኣ ሓራ ኸውጽኣኩም እየ፡ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ ፍርድታትን ከድሕነኩም እየ።
Translation | Contextብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ እኣምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፍ፡ በሎ።
Translation | Contextግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ፡ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧
Translation | Contextሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርሆ፡ ካብ ክፋእ ዚርሕቕ፡ ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንእዮብ ባርያይ ኣስተብሂልካዮዶ፧ ብዘይ ምኽንያት ከጥፍኦ ኣላዓዒልካኒ ኽነስኻስ፡ ክሳዕ ሕጂ ንሱ ፍጹም ኰይኑ ይጸንዕ አሎ፡ በሎ።
Translation | Contextእምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ።
Translation | Contextሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
Translation | Contextብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ። ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡
Translation | Context