Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
Translation | Contextምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።
Translation | Contextልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextእቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Translation | Contextብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ፡ ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ።
Translation | Contextእምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ።
Translation | Contextኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።
Translation | Contextሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠርካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ንስኻ ናተይ ኢኻ። ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩ፡ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ መድሓኒኻ እየ እሞ፡ ንግብጺ በጀኻ፡ ንኢትዮጵያን ሳባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩ። ኣብ ኣዒንተይ ብሉጽን ክቡርን ስለ ዝዀንካን ስለ ዘፍቀርኩኻን፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ።
Translation | Contextወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን። ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ። ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
Translation | Contextኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ።
Translation | Context