Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

blaming others


ማቴዎስ 7:3-5 | 31 Helpful votes

ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒትብሎእንሆጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ።  ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ

Translation | Context
ምሳሌ 28:13 | 7 Helpful votes

ገበኑ ዚኽውሎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:15 | 6 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምርንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 2:1 | 6 Helpful votes

ስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን አሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን

Translation | Context
ገላትያ 6:1-6 | 6 Helpful votes

ኣሕዋተየሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያንብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር አሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ። እቲ ቓል ዚምሀር ግና ነቲ ዚምህሮ ኻብ ጽቡቕ ነገር ዘበለ የማቕሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-13 | 5 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድልስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸእቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹከም ቈልዓ ተዛረብኩልቢ ቘልዓ ነበረኒከም ቈልዓ ሐሰብኩሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:13-14 | 5 Helpful votes

ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበርልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:12-13 | 4 Helpful votes

ኣዳም ከኣ፥ እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሀብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሀበትኒ እሞ በላዕኩበለእግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲስለምንታይ እዚ ገበርኪበላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ተመን ኣስሒቱኒ በላዕኩበለቶ

Translation | Context
ፊልጲ 3:13-14 | 3 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:16 | 2 Helpful votes

ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሐይሽ

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 2 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:9 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካበለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድርብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:14 | 2 Helpful votes

ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ

Translation | Context
ያእቆብ 4:7 | 2 Helpful votes

እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:12-24 | 2 Helpful votes

ኣዳም ከኣ፥ እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሀብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሀበትኒ እሞ በላዕኩበለእግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲስለምንታይ እዚ ገበርኪበላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ተመን ኣስሒቱኒ በላዕኩበለቶ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት መሮርን ርጉም ኩን፡ ብኸብድኻ ክትከይድኵሉ ዘበን ህይወትካ ድማ መሬት ክትበልዕ ኢኻ። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላንኣዳም ከኣ፡ ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ እሞ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። እሾዅን ተዀርባን ተብቁለልካብቝሊ መሮር ድማ ኽትበልዕ ኢኻ። ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስእንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ፡ ኣደ ዅሉ ህያው ኰይና እያ እሞ፡ ሄዋን ኢሉ ሰመያእግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ደበሎ ገይሩ ኸደኖምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ አሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብርኢሉ፡ ስለዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዐይያ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ገነት ኤደን ኣውጽኦ። ከምኡ ንኣዳም ኣውጽኦንምሕላው መገዲ ኦም ህይወት ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤድን ምስናይ እተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍኪሩቤል ኣቐመጠ

Translation | Context