Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

blessing people


ሮሜ 12:14 | 16 Helpful votes

ንዚሰጉኹም መርቑመርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ

Translation | Context
ዘሁልቍ 6:23-27 | 10 Helpful votes

ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ባርኽዎምእግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሐሉኻን። እግዚኣብሄር ገጹ የብርሃልካ፡ ጸጋ ኸኣ ይሀብካ። እግዚኣብሄር ገጹ ይምለሰልካሰላም ድማ ይሀብካ። ከምዚ ገይሮም ስመይ ኣብ ደቂ እስራኤል የንብሩኣነ ከኣ ክባርኾም እየ።

Translation | Context
ሮሜ 15:13 | 7 Helpful votes

ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም

Translation | Context
ማርቆስ 10:16 | 6 Helpful votes

ሓቝፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:9 | 6 Helpful votes

ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ

Translation | Context
ሮሜ 2:1-29 | 6 Helpful votes

ስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን አሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ አሎ፧ ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ አሎኻ፧ ግናኸ ብትርኻን ብዘይ ምንሳሕ ልብኻን ነቲ ብመዓልቲ ቚጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቊጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ አሎኻ። ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ እምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም እዩ። እከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዚጸድቁ እምበር፡ ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑን እሞ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ብዘይ ሕጊ ኺጠፍኡ እዮም፡ እቶም ሕጊ ኸለዎም ሓጢኣት ዝገብሩ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ በቲ ሕጊ ኺፍረዱ እዮም። እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። በታ፡ ከም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ ኸምኡ ኪኸውን እዩ። ግናኸ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ እንተ ተብሃልካብሕጊ እንተ ተኣመንካ ብኣምላኽውን እንተ ተሐበንካፍቓዱ እንተ ፈለጥካ፡ ካብ ሕጊ ተምሂርካውን እቲ ቕኑዕ መርሚርካ እንተ ፈሌኻመራሕ ዕዉራት፡ ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃን ምዃንካውን ብርእስኻ እንተ ተኣመንካ፡ ንስኻ ንዓያሱ መለበሚንቘልዑ መምህር፡ ኣብ ሕጊውን ምስሊ ፍልጠትን ሓቅን ዘሎካ ኢኻ። እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህርንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ፡ ኣይትስረቑ፡ ኢልካ እትሰብኽ። ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ ንስኻ፡ ኣይትዘምዉእትብል፡ ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትፍንፍን፡ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧ ከምቲ፡ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ፡ ዚብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ አሎኻ፧ ግዝረትሲሕጊ እንተ ሐሎኻትጠቅም እያ እሞ፡ ሕጊ እንተ ኣፍረስካ ግና፡ እታ ግዝረትካ ዘይግዝረት እያ እትኸውን። እምብኣርሲ እቲ ዘይግዙር ነቲ ሕጊ ዚደልዮ ስርዓት እንተ ሐለዎ፡ እቲ ዘይምግዛሩዶ ኸም ግዝረት ኰይኑ ኣይቊጸረሉን እዩ፧ እቲ ኻብ ባህርዩ ዘይግዙር ክነሱ ሕጊ ዚሕሉ፡ ንኣኻ፡ ብፊዴልን ብግዝረትን ሕጊ ንተፍርስ፡ ኪፈርደካ እዩ። ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ፡ እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። እቲ ብውሽጢ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር፡ ብፊዴል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን

Translation | Context
ዘሁልቍ 6:22-27 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ባርኽዎምእግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሐሉኻን። እግዚኣብሄር ገጹ የብርሃልካ፡ ጸጋ ኸኣ ይሀብካ። እግዚኣብሄር ገጹ ይምለሰልካሰላም ድማ ይሀብካ። ከምዚ ገይሮም ስመይ ኣብ ደቂ እስራኤል የንብሩኣነ ከኣ ክባርኾም እየ።

Translation | Context