Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

body image


1ይ ጴጥሮስ 3:3-4 | 26 Helpful votes

ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 16 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 16:7 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:26-27 | 8 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም

Translation | Context
መዝሙር 139:14 | 8 Helpful votes

መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ

Translation | Context
ምሳሌ 31:30 | 6 Helpful votes

ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:8 | 5 Helpful votes

እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅምኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:28 | 4 Helpful votes

ብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:9-10 | 3 Helpful votes

ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንንፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእብሰናይ ግብሪ ኺስለማእደሊ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:13 | 3 Helpful votes

ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ነዝን ነትን ኬጥፍኦም እዩ። ስጋ ንጐይታጐይታውን ንስጋ እዩ እምበር፡ ስጋስ ንምንዝርና ኣይኰነን

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:31 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ እንተ በላዕኩምወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩምኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:7 | 2 Helpful votes

ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእነወዳተይ ካብ ርሑቕነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈተርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል አሎኹ

Translation | Context
ሮሜ 12:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:25 | 2 Helpful votes

ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ

Translation | Context