Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

breaking the law


ያእቆብ 4:17 | 39 Helpful votes

እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:4 | 20 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብርምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብርሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡

Translation | Context
ምሳሌ 8:1-36 | 8 Helpful votes

ጥበብ ኣይትጭድርንዶ እያ ዘላ፡ ኣእምሮውን ድምጻዶ ኣይተስምዕን እያ፡ ኣብ ጫፍ በረኽትን፡ ኣብ ቀራናታት መገድን ደው ኢላ፡ ኣብ ጥቓ ደጌታት፡ ኣብ መእተው ከተማ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት ትጭድርኣቱም ሰባት፡ ንኣኻትኩም እጽውዓኩም አሎኹ፡ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘሎኹ። ኣቱም ዓያሱኣእምሮ ተምሀሩ፡ ኣቱም ደናቝርቲ ኸኣ፡ ለብሙክቡር ነገር ክዛረብ እየ፡ ከናፍረይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኸፍት እየ፡ ኣፈይ ሓቂ ኽዛረብ እዩ፡ ንኸናፍረይ ከኣ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ፡ ስምዑኵለን ቃላት ኣፈይ ብጽድቂ እየን፡ ኣብኤን ጠዋይነትን ልግምን ኣይርከብን። ነቲ ኣስተዎዓሊ ኵለን ትኽ ዝበላ እየን፡ ነቶም ፍልጠት ዝረከቡ ኸኣ ቅኑዓት እየን። ጥበብ ካብ ኣዕናቝ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጽንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎኣነ ጥበብ ኣብ ልቦና እነብርሓሳብ ፍልጠት ድማ እረክብንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየምኽርን ምስላጥን ናተይ እዩኣእምሮ ኣነ እየ፡ ስልጣን ናተይ እዩ። ነገስታት ብኣይ ይነግሱመሳፍንቲ ብኣይ ገይሮም ጽድቂ ይሕግጉገዛእትን ከበርቴን ብዘለዉ መኳንንቲ ምድርን ብኣይ ይገዝኡ። ኣነ ነቶም ዜፍቅሩኒ ኤፍቅሮም፡ እቶም ኣንጊሆም ዚደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒሃብትን ክብረትን ነባሪ ጥሪትን ጽድቅን ኣባይ አሎ። ፍረይ ካብ ወርቂ ኤረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ደኣ፡ ረብሓይ ከኣ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልጽነቶም ዜፍቅሩኒ ሃብቲ ኸውርሶምመዝገቦም ከኣ ምእንቲ ኽመልኣሎምሲብጐደና ጽድቂብማእከል ቅንዕቲ መገዲ እየ ዝመላለስእግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒካብ ዘለኣለም ካብ መጀመርያምድሪ ኸይኰነት ቈምኩገና መዓሙቝ ከይኰነ፡ ዓይኒ ማያት ከይወሐዘኣነ ተወለድኩኣኽራን ከይተሰረተቅድሚ ዀረቢት ኣነ ተወለድኩንምድርን ንጐልጐልን ነቲ መጀመርያ መሬት ዓለምን ከይገበሮንሰማያት ኬቝማ ኸሎ፡ ኣብኡ ነበርኩ። ንጠፈር ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ኪዝርግሖ ኸሎ፡ ንደበና ናብ ላዕሊ ኬቝሞ ኸሎ፡ ንምንጭታት መዓሙቝ ኬበርትዖ ኸሎ፡ ማያት ካብ ትእዛዙ ኸይሐልፍሲንባሕሪ ኺውስኖ ኸሎ፡ መሰረታት ምድሪ ኼመልክት ከሎ፡ ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩብየዕለቱ ኤሐጕሶኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ። ኣብ ምድሪ ብዚነብር እሕጐስ ነበርኩ፡ ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ። ሕጂ ድማ ደቀየመገደይ ዚሕልዉ ብጹኣን እዮም እሞ፡ ስምዑኒጠቢባን ኩኑ፡ ተግሳጸይ ስምዑኣይትእበይዎ። እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየብየዕለቱ ደገይ እናጸንዔ፡ ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ። እቲ ዚረኽበንስ ህይወት ይረክብ እዩ እሞ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ይቕበልእቲ ኣብ ልዕለይ ዝእብስ ግና ንነፍሱ ይጐድኣ፡ እቶም ዚጸልኡኒ ዅሎምሲ ሞት ይፈትዉ

Translation | Context
ሮሜ 13:1-7 | 8 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነንክትግዝእዎም ዚግብኣኩምገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ

Translation | Context
ምሳሌ 19:5 | 7 Helpful votes

ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ እቲ ሓሶት ዜስእ ከኣ ኣየምልጥን

Translation | Context
ያእቆብ 2:10 | 6 Helpful votes

ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን።

Translation | Context