Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all8 bible verses about
ፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካ፡ ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ።
Translation | Contextምንጭኻ ይባረኽ፡ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። ፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካ፡ ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ።
Translation | Contextኣቲ ፍቕረይ፡ ክንደይ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣብ ማእከል ደስታስ ክንደይ ትፍተዊ እዚ ቚመትኪ ስየ፡ ኣጥባትኪ ድማ ዘለላ ወይኒ ይመስል።
Translation | Contextክትጠብውን ኣብ ኣጥባት ምጽንንዓ ኽትጸግቡን፡ ክትምጥምጡን ብብዝሒ ኽብረት ኺፍሽሕወኩምንሲ፡ ምስ የሩሳሌም ተሐጐሱ፡ ኣቱም እተፍቅርዋ ዂላትኩም ከኣ ብእኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝሐዘንኩምላ ዂላትኩም፡ ተሐጒስኩም ምስኣ እልል በሉ።
Translation | Contextኣነ ቐጽሪ እየ፡ ኣጥባተይ ከኣ ከም ግምብታት እየን፡ ሽዑ ኣብ ኣዒንቱ ኸም ሰላም ዝረኸበት ኰንኩ።
Translation | Contextሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ሀቦም። እንታይ ክትህቦም፡ ውሉድ ዘይወልድ ማሕጸን ንጹፍ ጢብን ሀቦም።
Translation | Contextተመለሲ ተመለሲ፡ ኣቲ ሱላሚት፡ ክርእየክስ ተመለሲ፡ እስኪ ተመለሲ። ኣብታ ሱላሚትከ እንታይ ክትርእዩ ኢኹም፧ ንሳዶ ኸም ናይ መሃናይም ደበላ ትስዕስዕ አላ እያ፧ ኣቲ ጓል መስፍን፡ ኣእጋርኪ፡ ጫማ ምስ ገበራ፡ ክንደይ ይጽብቓ፡ ቅርጺ ሕቜኺ ኸም ብኢድ ብልሓተኛ እተሰርሔ ስልማት እዩ። ሕምብርትኺ እተሖሰ ወይኒ ዘይጐድሎ ኸቢብ ጽዋእ እዩ። ከርስኺ ብዕምባባ እተኸበ ምህርቲ ስርናይ እዩ። ክልቲኣተን ኣጥባትኪ ኸም ምንታ መሓስእ ሜዳቚ እየን። ክሳድኪ ኸም ግምቢ ስኒ ሓርማዝ እዩ፡ ኣዕንትኺ ኸምቲ ኣብ ጥቓ ደገ ባት-ራቢም ዘሎ ሓጽብታት ሄስቦን እየን። ኣፍንጫኺ ኸምቲ ንደማስቆ ገጹ ዚርኢ ግምቢ ሊባኖስ እዩ። ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ቀርሜሎስ እዩ፡ ጸጒሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፡ ንጉስ ብቚኖኺ ተኣሰረ። ኣቲ ፍቕረይ፡ ክንደይ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣብ ማእከል ደስታስ ክንደይ ትፍተዊ እዚ ቚመትኪ ስየ፡ ኣጥባትኪ ድማ ዘለላ ወይኒ ይመስል። ኣብ ስየ ኽድይብ፡ ጨናፍራ ኸኣ ክሕዝ እየ፡ በልኩ። ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፡ ጨና እስትንፋስኪ ኸኣ ከም ትርንጒ ይኹነለይ፡ ኣፍኪ ኸም ናብ ፍትወይ ወሪዱስ፡ ናብተን ዚድቅሳ ኸናፍር ዜንሸትት ጥዑም ወይኒ ይኹነለይ። ኣነ ናይ ፍትወይ እየ፡ ሃረርታኡ ኸኣ ናባይ እዩ። ኣታ ፍትወየ፡ ናብ መሮር ንውጻእ፡ ኣብ ዓድታት ንሕደር። ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ፡ ጐጒማ እንተ ነቒዑ፡ ሮማን እንተ ዐምቢቡ ኽንርእስ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንጊህና ንኺድ፡ ኣብኡ ፍቕረይ ክህበካ እየ።
Translation | Context