Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

broken heart


መዝሙር 34:18 | 18 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 7 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ

Translation | Context
ዮሃንስ 12:40 | 4 Helpful votes

ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽበዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምሲኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ።

Translation | Context
መዝሙር 51:17 | 3 Helpful votes

መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:17 | 2 Helpful votes

ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ

Translation | Context
ሉቃስ 24:38 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ዄንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል

Translation | Context
ያእቆብ 1:5 | 2 Helpful votes

ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖኪውሀቦውን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 21:1-21 | 2 Helpful votes

እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎምባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌምንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺእንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘንወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆንዅሉ እሕድሶ አሎኹበለእዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍበለኒ። ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋንመጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ። እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ። እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ። ካብቶም በተን ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ዝመልኣ ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጸ እሞ፡ ነታ መርዓትሰበይቲ እቲ ገንሸልክርእየካስ ንዓእናበለ ተዛረበኒብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል። ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ ኸኣ አለዋ፡ ዓሰርተው ክልተ ደገኣብቲ ደጌታትውን ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲስማት ድማ ተጽሒፉ አሎ፡ እዚ ስማት እዚውን ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል እዩ። ብምብራቕ ሰለስተ ደገብሰሜን ሰለስተ ደገብደቡብ ሰለስተ ደገብምዕራብ ሰለስተ ደገ አሎ። ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት አለዎ፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል አሎ። እቲ ዚዛረበኒ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ደጌታታን ቀጽራን ምእንቲ ኺሰፍረሉ፡ መስፈሪ፡ ዘንጊ ወርቂ፡ አለዎ። እታ ኸተማ ኸኣ ኣርባዕተ ዝመኣዝና እያ፡ ምንዋሓውን ክንዲ እቲ ግፍሓ እዩ። በቲ ዘንጊ ድማ ነታ ኸተማ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ እስታድዮስ ሰፈራ። ምንዋሓን ምግፋሓን ምብራኻን ማዕረ ማዕረ እዩ። ነቲ ቐጽራ ኸኣ ብእመት ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ናይ መልኣኽሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን እመት ኣመቶ። እቲ ቐጽራ ድማ ብያስጲስ እተነድቀ እዩ፡ እታ ኸተማውን ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እያ እትመስል። መሰረታት ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ብክቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ እዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፉሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡ እቲ ሓምሳይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሳድሳይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሳብዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሳምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታስዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ እዩ። እቲ ዓሰርተው ክልተ ደገ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ ሉል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ እዩ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እዩ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:24-25 | 2 Helpful votes

ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹምከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም አሎኹም።

Translation | Context