Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።
Translation | Contextመስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።
Translation | Contextንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፣ ነቚሳሎም ይዘንን።
Translation | Contextፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
Translation | Contextስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር አሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር አሎኹ።
Translation | Contextከም ምዉት ካብ ልቢ ተረሲዔ፣ ከም ስቡር ኣቕሓ ዀይነ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ክንሐብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና። ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ። ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚአክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ አሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር አሎና።
Translation | Contextኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮም፡ ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዪም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዋም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም።
Translation | Contextንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።
Translation | Contextኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ።
Translation | Contextግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ እቲ ኣነ ዝዐርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ።
Translation | Contextእምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።
Translation | Contextዎ ኣምላኽ፣ ከም ሳህልኻ ምሐረኒ፣ ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ። ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ብዘረባኻ ጻድቕ፣ ብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፣ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ። እንሆ፣ ብአበሳ ተወለድኩ፣ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ። እንሆ፣ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ፣ ኣብ ሕቡእውን ጥበብ ምሀረኒ። ምእንቲ ኽጸርስ፣ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱ፣ ሕጸበኒ። እተን ዝቐጥቀጥካየን ኣዕጽምቲ ኺሕጐሳስ፣ ባህታን ሓጐስን ኣስምዓኒ። ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ከውሎ፣ ንብዘሎ ኣበሳይውን ደምስሶ። ዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፣ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ። ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፣ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ። መገድኻ ንመፍረስቲ ኽምህሮም እየ፣ ሓጥኣን ከኣ ናባኻ ኺምለሱ እዮም። ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ምድሓነይ፣ ካብ ዕዳ ደም ኣናግፈኒ፣ ልሳነይውን ንጽድቅኻ እልል ክትብለሉ እያ። ጐይታየ፣ ኣፈይ ምስጋናኻ ኺነግርሲ፣ ከናፍረይ ክፈት። መስዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፣ እንተ ዘይኰነስ መቕረብኩልካ ነይረ፣ ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይትብህጎን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ። ንጽዮን ብጸጋኻ ሰናይ ግበረላ፣ መካበብያታት የሩሳሌም ንደቕ። ሽዑ ብመስዋእቲ ጽድቂ፣ ብዚሐርር መስዋእቲ፣ ብምሉእ መስዋእቲ ባህ ኪብለካ እዩ፣ ሽዑ ኣብ መሰውኢኻ ኣራሑ ኬቕርቡልካ እዮም።
Translation | Contextእቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ቃለይ ከስምዓካ እየ፡ ዚብል እዩ። ሽዑ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ወረድኩ፡ እንሆ፡ ንሱ ብመዘወር ስራሑ ኺሰርሕ ጸንሔ። እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ ኣብ ኢድ እቲ ሰርሕ መሬት ምስ ተጸየቐ፡ ከም ብሓድሽ እቲ ሰራሕ መሬት ከምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ገይሩ ኻልእ ኣቕሓ ሰርሖ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነኸ ንኣኻትኩምዶ ኸምቲ ሰራሕ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩም ኣይከኣለንን እዩ፧ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሓደ ጊዜ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክምንቊሰን ከፍርንስን ከጥፍእን እዛረብ አሎኹ። እቲ እተዛረብኩሉ ህዝቢ ኻብ እከዩ እንተ ተመልሰ ግና፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ንእኡ ኽገብሮ ኢለ ዝሐሰብክዎ እኩይ እጥዐሰሉ እየ። ሓደ ጊዜ ኸኣ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክሀንጽን ክተክልን እዛረብ አሎኹ። ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እከይ እንተ ገበረ ግና፡ ኣነውን ነቲ ኽገብረሉ እየ ኢለ እተዛረብክዎ ሰናይ እጥዐሰሉ። እምበኣርሲ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ተዛረቦም፡ እንሆ፡ ሕሰም ኤዳልወልኩም፡ ንጒድኣትኩም ከኣ ሓሳብ እሕልን አሎኹ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ካብ መገዲ እከዩ ይመለስ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ከኣ ኣጠቅዉ። ንሳቶም ግና፡ ከንቱ እዩ፡ ንሕናስ ንሓሳብ ርእስና ኽንሰዕብ፡ ነፍሲ ወከፍና ድማ ከምቲ ትሪ ሕሱም ልብና ኽንገብር ኢና፡ በሉ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እስከ ኸምዚ ዘመሰለ ዝሰምዔ እንተሎስ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሕተቱ፡ እታ ድንግል እስራኤል ኣዝዩ ገዚፍ ጉድ ገይራ አላ። በረድ ሊባኖስዶ ነቲ ኣኻውሕ መሮር ይለቀሉ እዩ፧ እቲ ኻብ ርሑቕ ዚመጽእ ዝሑል ወሓዚ ማይከ ይነጽፍዶ እዩ፧ ህዝበይንንከ ንኣይ ረስዓኒ፡ ንጣኦታት ከንቱውን ይዐጥን አሎ። ንሳቶም በቲ መገዲ ኣጋር፡ በቲ ዘይተጸርገ መገዲ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ኣብ መገድታቱ፡ ኣብቲ ናይ ጥንቲ መገድታት ኣዐንቀፍዎ። በዚ ኸምዚ ንሃገሩ ዑና፡ ንሓዋሩ ድማ መላገጺ ይገብሩ። እቶም ብእኣ ዚሐልፉ ዘበሉ ዂሎም ይግረሙ፡ ርእሶም ከኣ ይንቕንቑ። ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ኸም ንፋስ ምብራቕ ክብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጸበባኦም ዝባን እምበር፡ ገጽ ኣይከርእዮምን እየ። ንሳቶም ድማ፡ ሕጊ ኻብ ካህን፡ ምኽሪ ኻብ ጥበበኛ፡ ቃል ካብ ነብዪ ኣይስኣንን እዩ እሞ፡ ንዑ ንኤርምያስ ምኽሪ ንጣበበሉ፡ ንዑ ብልሳንና ንውቅዓዮ፡ ንዂሉ ቓላቱ ድማ ግዱ ኣይንግበር፡ በሉ። ጐይታየ፡ ኣባይ ጽን በል፡ እዞም ተጻረርተይ ዚብልዎ ኸኣ ስማዕ። ንነፍሰይ ጒድጓድ ኲዒቶምላ እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ሰናይዶ እከይ ይፍደ እዩ፧ ጽቡቕ ክዛረበሎምን ኲራኻ ኸርሕቐሎምን ኢለ። ኣብ ቅድሜኻ ዝቘምኩ ዘክር። ስለዚ ደቆም ንጥሜት መጡ፡ ንኣታቶም ከኣ ናብ ኢድ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሀብ። ኣንስቶም ደቂ ዜብለን መበላሉ ይኹና፡ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱ። ኣጒባዞም ከኣ ኣብ ውግእ ብሰይፊ ይወቕዑ። ኪሕዙኒ ጒድጋድ ኲዒቶምለይ፡ ነእጋረይ ከኣ መፈንጠራ ደቢቖምለይ እዮም እሞ፡ ብድንገት ጥፍራ ኣምጺእካሎምሲ ኣውያት ካብ ኣባይቶም ይስማዕ። ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኪቐትሉኒ ኢሎም ዝሐለንዎ ምኽሪ ዂሉ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ኣበሳኦም ይቕረ ኣይትበለሎም፡ ሓጢኣቶምውን ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ጻሕ ይበሉ፡ ብመዓልቲ ቚጥዓኻውን ከምዚ ግበሮም።
Translation | Contextብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Context