Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፣ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።
Translation | Contextቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ፡ እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ፡ ደሓር ቤትካ ስራሕ።
Translation | Contextናብ ኣኽራን ደይቡ፣ ዕጨይቲ ኣምጽኡ፣ ነታ ቤት ከኣ ስርሕዋ። ኣነ ድማ ብእኣ ክሕጐስን ክኸብርን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧ እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዅሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ክርእየኩም እየ፥ ቤት ኪሰርሕ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሰረቱውን ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ ኣዩ ዚመስል። ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፡ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰኣነ። እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሰርሔ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ውሒዝ ደፍኣ፡ ብኡብኡ ወደቐት። ኣዋዳድቓ እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ዓብዪ ዀነ።
Translation | Contextካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረአይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧
Translation | Contextኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።
Translation | Contextለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽ፡ ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ። ብቕንዕናኡ ዚመላለስ ንእግዚኣብሄር ይፈርሆ፡ መገዱ ዜጐብጥ ግና ይንዕቆ። ኣብ ኣፍ ዓሻ ሸቦጥ ትዕቢት አሎ፡ ንጠቢባን ግና ከናፍሮም ይሕልውዎም። ብዕራይ ኣብ ዜብሉ መብልዕ ማል ጥራዩ እዩ፡ ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሊ ብዕራይ እዩ። እሙን ምስክር ኣይሕሱን፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት የውስእ። መላገጺ ንገንዘብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን፡ ነእምሮኛ ግና ፍልጠት ኣይሽግሮን። ካብ ዓሻ ርሐቕ፡ ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይትርረክብን ኢኻ። ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ። እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ፡ ኣብ ማእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ አሎ። ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፡ ኣብ ሓጐሱ ኸኣ ጓና ኣይሕወስን። ቤት ረሲኣን ይዐኑ፡ ድንኳን ቅኑዓት ግና ይዕምብብ። ንሰብ ቅንዕቲ ትመስሎ መገዲ አላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።
Translation | Contextኮነ ድማ፡ ሳንባላጥ፡ ንሕና ነቲ መካበብያ ኸም ዝነደቕናዮ ምስ ሰምዔ፡ ተቖጥዔን ኣዝዩ ኾረየን እሞ ንኣይሁድ ኣላገጸሎም። ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ሰራዊት ሰማርያን ከአ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ አለው፧ ስቕ ኢልናዶ ንሕደጎም፧ ኪስውኡዶ እዮም፧ ብሓደ መዓልቲዶኸ ይውድእዎ፧ ነቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ኹምራታት ሓመድ ዘሎ ኣእማን የሕውይዎዶ፧ ጦብያ እቶ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቕኡ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ፡ እንተ ዚሰርሕዎ እኳ፡ እቲ በእማን ዝነደቕዎ መካበብያ ሓንቲ ወኻርያ እንተ ደየበቶ፡ ኪፈርስ እዩ፡ በለ። ዎ ኣምላኽና፡ ስማዕ ተናዒቕና ኢና እሞ፡ ልግጫኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ንብዝበዛ ናብ ሃገር ማረኽቲ ኣሕሊፍካ ሀቦም። ኣብ ቅድሚ እቶም ነዳቖ ኣኾርዮምኻ እዮም እሞ፡ ክፍኣቶም ከአ ኣይትሕብኣሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ካብ ቅድሜኻ ኣይትደምስስ። እምበኣርሲ ነቲ መካበብያ ነደቕናዮ፡ ክሳዕ ፈረቓ ምብራኹ ኸኣ ብዘሎ እቲ መካበብያ ተላገብ። ልቢ እቲ ህዝቢውን ንዕዮ ጽዒቱ አሎ። ኮነ ድማ፡ ሳንባላጥን ጦብያን ሰብ ዓረብን ዓሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን ምዕራይ መካበብያ ዮርሳሌም ከም ዝሰለጠን፡ እቲ ፍራሳታውን ኪዕበስ ከም ዝጀመረን ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ተቖጥዑ። ኵላቶም ሓደ ኾይኖም መጺኦም ንዮርሳሌም ኪወግኡን ኬሸብሩን ተማሓሓሉ። ሽዑ ኣብ ኣምላኽና ጸሌና፡ ካባታቶም ኪሕልውና ኸኣ ብመንጽሮም ለይትን መዓልትን ሓለውቲ ኣቖምና። ይሁዳ ድማ፡ ሓይሊ እቶም ተሰከምቲ ደኸመ፡ እቲ መሬት ከአ ብዙሕ እዩ፡ ስለዚ ንሕና መካበብያ ኽንዐዩ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ። እቶም ጸላኣትና ድማ፡ ኣብ ማእከሎም ክሳዕ እንኣቱ ኣይኪፈልጡን ኣይኪርእዩን እዮም፡ ሽዑ ክንቀትሎም፡ ነቲ ዕዮውም ከነትርፎ ኢና፡ በሉ። ኮነ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ጥቓኦም ዚነብሩ ኣይሁድ ምስ መጹ፡ ካብ ኩለን ቦታታት ናባና ተመለሱ፡ ኢሎም ዓሰርተ ሳዕ ተዛረቡና። ስለዚ ኣነ ነቲ ህዝቢ ብድሕሪ መካበብያ፡ በቲ ታሕታይ ቦታ ኣብ ቃልዕ ስፍራታት በብዓሌታቶም ኣስያፎምን ኩናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው ኣበልክዎም። ርእየ ድማ ተንሳእኩ፡ ንኸበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትፍርሁ፡ ነቲ ዓብይን መፍርህን ጐይታ ዘክሩ፡ ስለ ዝሕዋትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ፡ በልክዎም። ኮነ ድማ፡ እቶም ጸላእትና እዚ ነገር እዚ ኸም እተፈለጠና፡ ኣምላኽ ከአ ንምኽሮም ከንቱ ኸም ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፡ ኩላትና ናብቲ መካበብያ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ዕዩኡ ተመለስና። ኮነ ኸኣ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም እቶም ሓሻክረይ ፍርቆም ነቲ ዕዮ ይዐዩ ነበሩ፡ ፍርቆም ድማ ኩናውትን ዋላቱን ቀስትታትን ድርዕታትን ሐዙ። እቶም ሓላቑ ኸኣ ብድሕሪ ዅላቶም ቤት ይሁዳ ደው ኢሎም ነበሩ። እቶም ኣብ ንመካበብያ ዚነድቁን እቶም ተሰከምትን መሰከምትን ብሓደ ኢዶም ዕዮ ይዐዩ፡ ብሓደ ኢዶም ከአ ኣጽዋሮም ሒዞም ነበሩ። እቶም ነደቕቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ ሕቖኡ ተዐጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዚነፍሕ ከአ ኣብ ጥቓይ ነበረ። ንኽበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ድማ፡ እቲ ዕዮ ብዙሕን ገፊሕን እዩ፡ ንሕና ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ካብ ሓድሕድና ርሒቕና፡ ኣብ መካበብያ ፋሕ ኢልና አሎና፡ ደሃይ መለኸት ኣብ እትሰምዑላ ቦታ፡ ናብኣ፡ ናብ ጥቓና ተአከቡ፡ ኣምላኽና ምእንታና ኪዋግኣልና ዕዮ፡ በልክዎም። ከምዚ ኢልና ኣብቲ ዕዮ ንዐዮ ነበርና፡ ፍርቆም ድማ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ክሳዕ ክዋኽብቲ ዚወጹ፡ ኩናውቲ ሐዙ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ነቶም ህዝቢ፡ ለይቲ ሓለውቲ ኪኾኑና መዓልቲ ድማ ኪዐዩስ፡ ነፍስ ወከፍ መምስ ጊልያኡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ይሕደሩ፡ በልክዎም። ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይን እቶም ዝሰዐቡኒ ዝሕልው ሰብን፡ ንሕና ኽዳውንትናን ኣየውጻእናን። ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ሒዙ ናብ ማይ ከደ።
Translation | Contextደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዐነወ ኺነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ።
Translation | Contextህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ።
Translation | Contextንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ እቲ ኣነ ዝዐርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ።
Translation | Contextሓደ እኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ። ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይስን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን። ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ አሎኹም።
Translation | Contextቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ።
Translation | Context