Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

building each other up


1ይ ተሰሎንቄ 5:11 | 16 Helpful votes

ስለዚከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕኩም ተማዓዓዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ

Translation | Context
እብራውያን 10:24-25 | 7 Helpful votes

ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:26 | 5 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩክትእከቡ ኸሎኹምነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር አለዎ፡ ምህሮ አለዎ፡ ራእይ አለዎ፡ ቋንቋ አለዎ፡ ትርጉም አለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበር

Translation | Context
እብራውያን 10:25 | 5 Helpful votes

እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ

Translation | Context
ሮሜ 14:19 | 5 Helpful votes

እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:29 | 5 Helpful votes

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውንንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ

Translation | Context
ምሳሌ 27:17 | 4 Helpful votes

ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:16 | 3 Helpful votes

ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱንብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩምቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም

Translation | Context
ሮሜ 15:1-11 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንናድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውርንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። ከምቲ ጽሑፍጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍናንብጻዩ ምእንቲ ኺሃንጾብሰናይ ነገር ባህ የብሎ። ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ። ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸተኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩምከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩምሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩምክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ኬጽንዖስ፡ ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ፡ እብል አሎኹ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩምንሓድሕድኩም ተቓባበሉ። ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን እዝምር አሎኹ፡ ዚብልንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ። ከም ብሓድሽውን፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሐጐሱይብልመሊሱ ኸኣ፡ ኲላትኩም ኣህዛብንጐይታ ኣመስግንዎ፡ ብዘለዉ ህዝብታትውን ይወድስዎ፡ ይብል።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:11-16 | 3 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ። ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ።

Translation | Context
እብራውያን 3:13 | 3 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተየሎሚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉተጠንቀቑ

Translation | Context
ያእቆብ 5:13 | 2 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር

Translation | Context
መክብብ 4:9-10 | 2 Helpful votes

ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:1-25 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎእግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ። ናብቲ ብሰብ ንዑቕብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን ኤንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ኣብቲ ጽሑፍ አሎ። ስለዚ ንኣኻትኩም እትአምኑክቡር እዩነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነእምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉነዚ ድማ ምዱባት እዮም። ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነትቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩምሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም። ኣቱም ፍቁራተይከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዘዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑእቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑከምዚ ሰናይ እናገበርኩምዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱካብኡ እተላእኩ መኳንንቲስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑንዅሉ ሰብ ኣኽብሩሕውነት ኣፍቅሩንኣምላኽ ፍርህዎንንጉስ ኣኽብርዎ። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎምሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ አለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈመከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበርዘየፈራርሄንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹምከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም አሎኹም።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 1:1-12 | 2 Helpful votes

ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። ኣቱም ኣሕዋትናእምነትኩም ኣዝያ ስለ ዝዓበየት፡ እታ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኵላትኩምውን ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝዓዘዘትቅኑዕ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነምስግኖ ግቡእና እዩ። እምብኣርሲ ንሕና ባዕልና ብትዕግስትኹምን እምነትኩምን በቲ ዝጾርኩምዎ ዅሉ ስደትን ጸበባን ብኣኻትኩም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ንምካሕ ኢና፡ ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘሎኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቍጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ። በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘልዉን ጸበባ ኺፈዲብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ። እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተአሚኑ እዩ እሞ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝአመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታና ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም፡ ኪቕጽዑ እዮም። ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስንስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩምብሓይሊውን ኵሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ክፍጽም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንልምን አሎና።

Translation | Context