Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

building the church of god


ዘጸአት 35:20-22 | 9 Helpful votes

ኵሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ሙሴ ወጹነፍሲ ወገፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸኵሉ መንፈሱ ፍቓድ ዘልዐለሉ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቕዱሳት ኣልባስን ንእግዚኣብሄር ህያብ ኣምጽኤፍታው ልቡ ዘለዎም ዘበሉ ሰብኡትን ኣንስትን መጺኦምኣቝላፍን ቀላብቲ እዝንን ቀላብቲ ኣጻብዕን ኣምባውርትን ኵሉ ኣቓሑ ወርቅን ሀቡነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር ህያብ ወርቂ ኣቕረበ

Translation | Context
ማቴዎስ 16:18 | 7 Helpful votes

ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።

Translation | Context
ሃጌ 1:1-15 | 6 Helpful votes

ብኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስብሳድሰይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፣ ብኢድ ነብዪ ሃጌ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤልምስለኔ ይሁዳን ናብ እያሱ ወዲ ሰኣልቲኤል ሊቀ ኻህናትን መጸ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ እዚ ህዝቢ እዚ፣ እቲ ጊዜቤት እግዚኣብሄር እትስርሑሉ ጊዜ፣ ኣይበጽሔንይብል አሎ። ግናኸ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፣ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዪ ሃጌ መጸ። እምብኣርሲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ። ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩምሒደት ኣእቶኹምበላዕኩም ኣይጸገብኩምንሰቴኹም ኣይረዌኹምንተኸደንኩም ኣይሞቝኩምን፣ እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዐሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ አሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ብልብኹም መገድኩም ሕሰቡይብል አሎ። ናብ ኣኽራን ደይቡዕጨይቲ ኣምጽኡ፣ ነታ ቤት ከኣ ስርሕዋ። ኣነ ድማ ብእኣ ክሕጐስን ክኸብርን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር። ንስካትኩም ብዙሕ ተጸቤኹም፡ እንሆ ኸኣ፡ ሒደት እዩ፡ ናብ ቤት ምስ ኣእቶኩምዎ ኸኣ፡ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። ስለምንታይ፧ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትነፍሲ ወከፍኩም ናብ በቤትኩም እናጐየኹምሲቤተይ ስለ ዝዐነወት እዩ። ስለዚ ሰማያት ብሰርኹም ኣውሊ ኸልከለምድሪ ኸኣ ፍሬኣ ኸልኤት። ኣነውን ኣብ ልዕሊ ምድርን ኣብ ልዕሊ ኣኽራንን ኣብ ልዕሊ እክልን ኣብ ልዕሊ ወይንን ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎን ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዕዮ ኣእዳውን ደርቂ ጸዋዕኩ። ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤልን እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅሊቀ ኻህናትን እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተረፉ ዅላቶምን ንደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንቓል ነብዪ ሃጌን፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈድሁሃጌ ልኡክ እግዚኣብሄር በታ መልእኽቲ እግዚኣብሄር ንህዝቢ፣ ኣነ ምሳኻትኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ኢሉ ተዛረቦምእግዚኣብሄር ከኣ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤልምስለኔ ይሁዳን ንመንፈስ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅሊቀ ካህናት ንመንፈስ ኵሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣንቅሖ። ንሳቶም ከኣ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስንሳድሰይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን ምዓልቲ መጹ፣ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ ከኣ ይሰርሑ ነበሩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:20 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይስን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን

Translation | Context
ማቴዎስ 18:19 | 3 Helpful votes

ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16-17 | 3 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 36:3-6 | 3 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ ነቲ ደቂ እስራኤል ንዕዮ ኣገልግሎት መቕደስ ኢሎም ዘምጽእዎ ዅሉ ህያብ ኪዐዩሉ ኻብ ሙሴ ተቐበሉ። ደቂ እስራኤል እቲ ናይ ፍታው ህያቦም ግና ንግሆ ንግሆ የምጽኡ ነበሩ። እቶም ንዅሉ ዕዮ መቕደስ ዚዐዩ ዝነበሩ ዅላቶም ጥበበኛታት ንፍሲ ወከፎም ከካብቲ ዚዐይዎ ዝነበሩ ዕዮኦም መጹንሙሴ ኸኣ፡ እዚ ህዝቢ ነቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ሓለፋ እቲ ዜድሊ የምጽእ አሎ፡ ኢሎም ተዛረብዎሽዑ ሙሴሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ንመቅደስ ኪህብ ኢሉ ደጊም ኣይዕየኢሎም ኣብ ሰፈር ኪእውጁ ኣዘዘ እሞ እቶም ህዝቢ ኸየምጽኡ ተኸልከሉ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:11-12 | 3 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 5:9 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስ ድማ፡ ከመይከ መንፈስ እግዚኣብሄር ንምፍታን እተሰማማዕኩምኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ፡ ኣብ ደገ ኣለዋ፡ ንኣኺ ድማ ኬውጽኡኺ እዮም፡ በላ

Translation | Context
ገላትያ 5:22-23 | 2 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪሓጐስዕርቂዓቕሊለውሃትሕያውነትእምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:11 | 2 Helpful votes

ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ

Translation | Context
መዝሙር 127:1-5 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕኣንጊህኩም ምትንሳእኩምኣምሲኹም ምድቃስኩምእንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ። እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡኣይሐፍሩን እዮም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:10 | 2 Helpful votes

እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩምኪስርተኩምውን እዩ።

Translation | Context