Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all8 bible verses about
ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን። ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና። ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ። ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ። ኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ። እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነ። ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ። ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስከረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፥ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ። ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፥ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዓብዎ። የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፥ እንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢ፦ ትርጉሙ መምህር፦ ኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በልዎ። ንሱ፥ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት። ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ። ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ ንመሲህ፦ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፦ ረኺብናዮ፡ በሎ። ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፥ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ - ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፦ ክትብሃል ኢኻ፡ በሎ። ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ-ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ። ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ። ናትናኤል ድማ፥ ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፥ ንዓ ርኤ፡ በሎ። የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፥ እንሆ፡ ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ። ናትናኤል፥ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይ ጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካ፡ ኢሉ መለሰሉ። ናትናኤል ድማ፥ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።
Translation | Contextቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን እዩ።
Translation | Contextበሎም ድማ፡ መብራህቲዶ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ኬንብርዎ የምጽኡ፧ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኬንብርዎ ደይኰነን፧ ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን፡ ናብ ብርሃን ዘይመጽእ ስዉር ድማ የልቦን። ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
Translation | Contextነቲ ሳብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ ኣስታት ፈረቓ ሰዓት ዚኣክል ስቕታ ዀነ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ሾብዓተ መላእኽቲ ደው ኢሎም ርኤኹ፡ ሾብዓተ መለኸትውን ተዋህቦም። ካልእ መልኣኽውን መጸ እሞ፡ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፡ ነቲ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንቲ ኺወስኾ ኸኣ፡ ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ። እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት እቶም ቅዱሳት ኰይኑ ኻብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ደየበ። እቲ መልኣኽ ድማ ጽንሃህ ወሲዱ ኻብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መልኦ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮ፡ ነጐዳታትን ጭርሓታትን በርቅታትን ምንቅጥቃጥ ምድሪን ከኣ ዀነ። እቶም ሾብዓተ መለኸት ዘለዎም ሾብዓተ መላእኽቲ ድማ መለኸት ኪነፍሑ ተዳለዉ። እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸት ነፍሔ እሞ ደም እተሖሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፡ ብዘሎ ለምለም ሳዕሪ ድማ ነደደ። እቲ ኻልኣይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ከም ከረን ዝበለ ነዳዲ ሓዊ ድማ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ኸኣ ደም ኰነ። ሲሶ እቲ ኣብ ባሕሪ ዚነብር ነፍሲ ዘለዎ ፍጡር ድማ ሞተ፡ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ። እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከኣ መለኸት ነፍሔ፡ ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፡ ኣብ ሲሶ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ። ስም እቲ ኰዀብ ድማ ምረት እዩ ዚብሀል፡ ሲሶ እቲ ማያት ከኣ መረረ፡ መሪር ብምዃኑውን ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰብ ሞቱ። እቲ ራብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ሲሶኦም ምእንቲ ኺጽልምት፡ መዓልቲ ሲሶኣ ምእንቲ ኸይበርህሲ ለይቲውን ከምኣ ሲሶ ጸሓይን ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዔ። ርኤኹ ድማ፡ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ዓው ብዝበለ ቓልውን፡ ብሰሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ደሃይ መለኸት ናይቶም መለኸት ኪነፍሑ ዘለዎም ሰለስተ መላእኽቲ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዘለዉ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።
Translation | Contextሽዑ ሓደ እኳ፡ ክርስቶስ ኣብዚ እንሆ፡ ወይስ ኣብቲ አሎ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመኑ። ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነገርኩኹም።
Translation | Contextጐይታየ፣ ናባኻ ኤእዊ አሎኹ፣ ቀልጢፍካ ምጸኒ፣ ክጽውዓካ ኸሎኹ ንድምጸይን ጽን በሎ። ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን፣ ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን። ጐይታየ፣ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፣ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ። ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲ፣ ንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ፣ ኣነውን ካብቲ ጥዑም ብልዖም ኣይብላዕ። ጻድቕ ይውቅዓኒ፣ ለውሃት እዩ፣ ይዝለፈኒ፣ ዘይቲ ርእሲ እዩ፣ ርእሰይ ኣይእበዮ፣ ጸሎተይ ገና ብእከዮም እዩ። ፈረድቶም ብገደል ምስ ጸደፉ፣ ቃላተይ ጥዑም ምዃኑ ኺሰምዑ እዮም። ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚትልሞን ዚሐርሶን፣ ኣዕጽምትና ኸምኡ ኣብ ኣፍ ሲኦል ተበተነ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታየ፣ ኣዒንተይ ናባኻ እየን፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ንነፍሰይ ኣይትኽዐዋ። ካብቲ ዜጻውዱለይ መጻወድያን ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይን ሐልወኒ። ኣነ ኽሐልፍ ከሎኹስ፣ ረሲኣን ኣብ መጻወድያኦም ይውደቑ።
Translation | Context