Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ኣይትስረቑን ኣይትጠብሩን፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይትሐስዉ።
Translation | Contextጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ፡ ሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ።
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ቅኑዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ።
Translation | Contextእቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።
Translation | Contextምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ። ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ። ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተአዘዝኩምንሲ፡ ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።
Translation | Contextብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።
Translation | Contextበሎም ድማ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንስካትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣ ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣ ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ።
Translation | Contextንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።
Translation | Contextኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።
Translation | Contextክልተ ዓይነት ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጠባሪ ሚዛን ከኣ ሰናይ ኣይኰነን።
Translation | Contextንብጻይካ ኣይትጽቀጦን ኣይትዘርፎን፡ ወይ ውዕለት ወዓላይ ክሳዕ ብጊሓት ምሳኻ ኣይሕደር።
Translation | Contextሓውካ ድማ ምሳኻ ኸሎ እንተ ደኸየ፡ ርእሱ ኸኣ እንተ ሸጠልካ፡ ከም ባርያ ጌርካ ኣይትግዝኣዮ፡
Translation | Contextብፍርዲ ዀነ፡ ብመለክዒ እመት ኰነ፡ ብሚዛን ኰነ፡ ብምሰ ዀነ፡ ኣይትዐምጹ። ቅኑዕ ሚዛን፡ ቅኑዕ መምዘኒ፡ ቅኑዕ ኤፋ፡ ቅኑዕ ሂን ድማ ይሀሉኹም። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextበለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ስስዔ፡ ክፍኣት፡ ጕርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኵርዓት፡ ዕሽነት።
Translation | Context