Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ስለዚ ኣብ ማእከልኪ ወለዲ ንውሉዶም፣ ውሉድ ድማ ንወለዶም ኪበልዑ እዮም። ፍርዲ ኣባኺ ኽፍጽሞ፣ ዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።
Translation | Contextእታ ሃገር ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ትነድድ፡ ህዝቢ ድማ ኣደዳ ሓዊ ይኸውን፡ ሓደ እኳ ንሓው ኣይንሕፍን። ሰብ ካብ የማን ይምንጥል ይጠሚ ኸኣ፡ ካብ ጸጋም ይውሕጥ ኣይጸግብን ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቀቅልጽሙ ስጋ ኺበልዕ እዩ።
Translation | Contextገለ፡ እዝስ ንጣኦታት እተሰውኤ እዩ፡ እንተ በለኩም ግና፡ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ።
Translation | Contextወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡
Translation | Contextጐይታየ፡ ርኤ እሞ ጠምት፡ ንመንከ ኸምዚ ገበርካዮ፧ ኣንስቲዶ ፍረ ማሕጸነን ዚሐቚፋኦም ሕጻናት ይበልዓ፧ ካህንን ነብይንዶ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ይሕረዱ፧
Translation | Contextስጋ ኣወዳቶምን ስጋ ኣዋልዶምን ከብልዖም እየ። ብጸላእቶምን በቶም ነፍሶም ዚደልዮም ተኸቢቦም ጸቢብዎም ምስ ተጨነቑ፡ ስጋ ሓድሕዶም ኪባልዑ እዮም።
Translation | Contextንጣኦታቶም ኣገልገሉ፣ ንሳቶም ከኣ መፈንጠርያ ዀንዎም። አወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎም። ንጹህ ደም፣ ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፣ ኣፍሰሱ፣ ንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም፣ እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት።
Translation | Contextኣነ በልኩ፣ ኣቱም ኣሕሉቕ ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤል፣ ስምዑ ዀታ፣ ፍርዲ ምፍላጥሲ ኣባካትኩምዶ ኣይኰነን፧ ሰናይ እትጸልኡ፣ እከይ ከኣ እትፈትዉ፣ ቈርበቶም እትቐልጥዎስ፣ ስጋኦም ካብ ኣዕጽምቶም እተዋርዱ፣ ስጋ ህዝበይ ድማ እትበልዑ፣ ቈርበቶም እትቐልጥዎም፣ ዓጻጽምቶም እትሰብሩ፣ ከምቲ ኣብ ቍራዕ፣ ናብ ድስቲ ዚኣቱ ስጋ እትቘራርጽዎ ኢኹም። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኬእውዩ እዮም፣ ንሱ ግና ኣይኪመልሰሎምን። በቲ ጊዜ እቲ፣ ከምቲ ዝገብርዎ ኽፉእ ግብሮም፣ ገጽ ካብኦም ኪሕብእ እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ሰብ በሊዕኪ፣ ንህዝብኺ ኸኣ ውሉድ ዜብሉ ጌርክዮ ኢኺ፣ ይብሉኹም አለዉ እሞ፣ ስለዚ ድሕርዚ ሰብ ኣይክትበልዕን፣ ንህዝብኺውን ውሉድ ዜብሉ ኣይክትገብርዮን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ደጊምሲ ነውሪ ኣህዛብ ኣይክስምዓክን እየ፣ ልግጫ ህዝብታት ኣይክትጾርን፣ ድሕርዚውን ንህዝብኺ ኣይከተዐንቅፍዮምን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Translation | Contextኣሃዝ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ። ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይገበረን። ብመገድታት ነገስታት እስራኤል ደኣ ይኸይድ ነበረ፡ ኤረ ንሱስ ንበዓላትውን ፍሱስ ምስልታት ገበረ። ንሱ ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ከኣ ዕጣን ዐጠነ፡ ከም ጽያፍ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ገይሩ ኸኣ፡ ንደቁ ኣብ ሓዊ ኣንደዶም። ኣብ በረኽትን ኣብ ኲርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።
Translation | Contextካብ ቅድሜካ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኰል፡ ብዛዕባ ኣማልኽቶም ከኣ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፧ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሐትት ተጠንቀቕ። ንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ።
Translation | Contextደድሕሪ ኣማልኽቶም ምስ ዚምንዝሩን፡ ንኣማልኽቶም ከኣ ምስ ዚስውኡን፡ ከይዕድሙኻ እሞ ካብ መስዋእቶም ከይትበልዕ፡ ኣዋልዶም ድማ ነወዳትካ ኸይትወስድ፡ እተን ኣዋልዶም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽተን ኪምንዝራ ኸለዋ ንደቅኻ ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከየመንዝራኦም፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነቶም ሓላቑ ይሁዳ ኸም ርሱን ምድጃ ኣብ ማእከል ዕጨይትን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ማእከል እንዳእትን ክገብሮም እየ፣ ነቶም ብየማነ ጸጋም ከቢቦምውም ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ከኣ ኪውሕጥዎም እዮም፣ የሩሳሌም ድማ ኣብ ቦታኣ፣ ኣብ የሩሳሌም፣ ከም ብሓድሽ ሰፈር ክትከውን እያ።
Translation | Contextሽዑ ነተን ኣባጊዕ ማሕረዲ፣ እወ፣ ነተን መሳኺን እታ መጓሰ ኣባጊዕ፣ ጓሴኽወን። ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፣ ነታ ሓንቲ ጸጋ፣ ነታ ኣንቲ ኸኣ ስምረት ኢለ ሰሜኽወን፣ ነተን መጓሰ ኣባጊዕውን ጓሴኽወን። ነቶም ሰለስተ ጓሶት ብሓንቲ ወርሒ ኣጥፋእክዎም፡ ነፍሰይ ብኣታቶም ጸበባ፡ ነፍሶምውን ጸልኣትኒ። ኣነ ኸኣ፣ ኣይክጓስዮምን እየ፣ እታ እትመውት ትሙት፣ እታ እትጠፍእ ትጥፋእ፣ እተን ዝተርፋ ድማ ስጋ ሓድሕደን ይበላልዓ፣ በልኩ።
Translation | Contextርሕሩሓት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፡ በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን።
Translation | Context