Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
Translation | Contextገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለውዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሃሩ።
Translation | Contextኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
Translation | Contextኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
Translation | Contextኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ።
Translation | Contextሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡
Translation | Contextኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።
Translation | Contextስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ። ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ አሎ። ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቝርባን ገይረዮ እየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎ፡ ደጊም ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፡ ነዚ ዚመስልውን ብዙሕ ትገብሩ አሎኹም።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።
Translation | Contextፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡
Translation | Contextንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextንሓደ ኣማኒ ወይስ ኣማኒት፡ መበለታት እንተ ኣለዋኦም፡ ባዕላቶም ይሕለዩለን፡ ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና ምእንቲ ኽትሐሊ፡ ነታ ማሕበር ኣየኽብዱላ።
Translation | Context