Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም። ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን።
Translation | Contextኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
Translation | Contextገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለውዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሃሩ።
Translation | Contextነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ኣዴኻ ምስ ኣረገት ከኣ ኣይትንዐቃ።
Translation | Contextኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።
Translation | Contextየሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረአየ፡ ነዲኡ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ። ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፥ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ።
Translation | Contextምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።
Translation | Contextጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።
Translation | Contextኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡
Translation | Contextብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።
Translation | Contextኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።
Translation | Contextጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ።
Translation | Contextጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ።
Translation | Context